መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብ መራሒ ቻይና ቀሪብሉ ከይድዎ ዘሎ ወግዓዊ ምብጻሕ ራብዕቲ፣ ዉጽኢት ናይቲ እቲ መራሒ ጉጅለ ካብ መቕጻዕቲታት ሃገራት ምዕራብ ዘናግፍዎ ዘራያት ንምርካብ ናብ ሩስያን ቻይናን ከዛይዶ ዝሓገየ ተገዛእነት ከምዝኾነ፡ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሓቢሮም።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ቻይናን ሩስያን ከረጋግጾ ኪጐየሉ ዝጸንሐ ዝምድና ንልምዓታዊ ምድግጋፍ ዘይኮነ፣ ኤርትራ ንጸጥታዊ ተወዳዳርነት እተን መተሃላልኽቲ ኣመሪካን መሓዙታን ዝኾና ቻይናን ሩስያ ክፍቲ ጌርካ ፣ ህግደፍ ካብ መቕጻዕቲ ማሕበረሰብ ዓለም ተገላጊሉ ኣብ ስልጣን ንኽቕጽል ዝተለመ እዩ።
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ከቢድ መቕጻዕቲ ይጽበዮ ከምዘሎ ኣጸቢቚ ዝተረድአ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ነቲ ምስ ሩስያን ቻይናን ናይ ምዉጋን ኣማራጺ ኣጥቢቑ ይኽተሎ ኣሎ። ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ምብጻሕ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ናብ ኣስመራ፡ ኪንዮ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድናታት ፣ ህግደፍ ሽፋን ሩስያ ረኺቡ ኣብ ስልጣን ንኽቕጽል ኣብ ዘኽእሉ መዳያት ንምዝታይ ምንባሩ እዮም ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዝሕብሩ።
ማእከላይ ዕላማ መገሻ መራሒ ጉጅለ ናብ ቻይና እዉን ልዕሊ እቶም ንይምሰል ዝኽተሙ ቊጠባዊን ባህላዊን ምድግጋፋት ፣ ቻይና ናይ ጸጥታ መሻርኽቲ ህግደፍ ኮይና ንስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ ብዝሓይለ ኪትረብሓሉ ኣብ ዘኽእል ምስጢራዊ ዉዕል ንምርዲዳእ ከምዝኸዉን እዮም እቶም ምንጭታት ዝግምቱ።
ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ኪሕብርዎ ከምዝጸንሑ፣ ህግደፍ ምስ ሩስያ ዝተፈላለዩ ጸጥታዉን ወተሃደራዉን ዉዕላት ብምስጢር ኣቃኒዑ ከምዘሎ እዩ። እቶም ውዕላት ንጸጥታን ድሕነትን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዘይኮኑ ፡ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዝዓለሙ ጥራይ ምዃኖም እቶም ምንጭታት ዘረድኡ።
ኣመሪካ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ተቕንዖ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ቊጠባዊን መቓጻዕትታት ወተሃደራዊ ስጒምቲ ክስዕቦ ይኽእል እዩ ዝብል ገዚፍ ስግኣት ኣሕዲሩ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ደገፍ ሩስያን ቻይናን ንምዉሓስ ካብተን ሃገራት ንዓመታት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ቊጠባዉን ወተሃደራዉን ዕድመታት ክቕበል ይረአ ምህላዉ እዉን ይግለጽ’ዩ።
ንቐጻልነቱ ከስግኡ ዝኽእሉ ምዕባለታት ኣብ ዝኽሰትሉ ግድን ወቕታዉያን መፍትሒታት ኣብ ምርካብ ነዊሕ ተመክሮ ዘለዎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ እዚ ሕጂ ካብ ቻይናን ሩስያን ኸረጋግጾ ደልዩ ዘሎ ደገፍ- ንጥቕሚን ልምዓትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከምዘይኮነ ንኹሉ ብሩህ እዩ።
ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሃገሩ ነተን ዝቐርበኣን ዝመሓዘወኣን ሃገራት ኣጽዋርን ክትሸጠለንን፡ ወተሃደራዊ ቊመናአን ኣብ ምሕያል ክትተሓባበረንን ድልዉቲ ምህላዋ ገሊጹ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብወግዒ ገሊጹ ነይሩ።