ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ማእከል ህዝቢ ሓሰዉትን ተጸናጸንትን እንዳዉፈረ ስኒትን ርግኣትን ዜጋታት ንምቕታል ዝገብሮ ጻዕሪ ገና ይቕጽል ኣሎ።
ጉዕቦ ኣብ ዝበሃል ዓዲ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ቀጥታዊ ኣብነት ከምዝኾነ እዉን ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣብ’ታ ዓዲ ምኪኤል ገብረመድህን ዝተባህለ ተለኣኣኽን ተጸናጻንን ንልዕሊ 70 ዝኾነ ነኣሽቱ መንእሰያት ጦቂሙ ኣሕሊፉ ድሕሪ ምሃቡ ፣ በቲ ተግባር ዝተቘጥዑ ገለ ነበርቲ ሓሰርን ኣግራብን ናይቲ ሰላዪ ህግደፍ ከምዘንደዱ ፣ እቲ ሰላዪ ነዚ ጉዳይ ክንዲ ምስ ሽማግለታት ዓዲ ተላዚቡ ፍታሕ ምንዳይ ብቐጥታ ናብ ምምሕዳር ከተማ መንደፈራ ብምኻድ ፖሊስ ሒዙ ናብ ዓዲ ከምተመልሰ ፖሊስ ድማ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እታ ዓዲ ኣልማሚ መቕጻዕቲ ብምስራዕ ፣ ነበርቲ 200 ሽሕ ናቕፋ ንህግደፍ 35 ሽሕ ናቕፋ ድማ ነቲ ሰላዪ ኪኽሕሱ ወሲኑ።
ኣብታ ካብ 250 ዘይበዝሕ ሰብ ዝነብራ ዓዲ ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ናቕፋ መቕጻዕቲ ምዝናብ ማለት ንሓደ ዉልቀሰብ፣ ቆልዓ ይኹን ሽማግለ ብውሑዱ ሓደ ሽሕ ናቕፋ ኪኸፍል ይግደድ ምህላዉ’ዩ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ እዋን መግዛእትታት ሃይለስላሰን ደርግን ውን ከይተረፈ ብዘይተራእየ ዓቐንን ስፍሓትን ናይ ተጸናጸንትን ሰለይትን ብዝሒ ዛይዱ ምህላዉ ይፍለጥ።
እቶም ብዋህዮታት፣ ምምሕዳራት ከባቢን ብውልቅን ተወዲቦም ክነጥፉ ዝርከቡ ተጸናጸንቲ ኣብዚ ሰዓት እዚ ቊጽሮም ብዕጽፊ ወሲኹ ፡ ካብ ኩሉ ዞባታት ካብ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ማለት መንእሰያት፥ ኣረጋውያን፥ ገዳይም ተጋደልቲ፥ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፥ ገለ ኣካለ ስንኩላን ከምኡውን ኣረጋውያን ኣቦታትን ኣዴታትን ከይተረፉ ዝርከብዎም ሙኻኖም ይንገር።
ልዑል ቊጽሪ ተጸናጸንቲ ናብ ህዝቢ ብምዉፋር ስግኣታቱ ከፋዂስ ዝርአ ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብዚ ግዜዚ ነቲ ዝነበረ ብዝሒ ብዕጽፊ ከዛይዶ ምዉሳኑ ክሳዕ ክንደይ ካብ ዉሽጥን ደገን ክመጽእ ብዝኽእል ህዝባዊ ተበግሶ ንለዉጢ ልዕሊ ካልእ እዋን ርዒዱ ምህላዉ ዘመላኽት እዩ።