ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ተጻብኦ ደዉ ከብሉ ጻዕርታት ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎ እዋን ፣ ግጭት ብዝጸዓቐ መልክዕ ይቕጽል ከምዘሎ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ኣረዲኦም።
ብስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ተመንግዩ ኣብ ጂዳ ዚጸዓረሉ ዘሎ ዘተ ሰላም ደሓን ዉጽኢት ኣመዝጊቡ ክልቲኦም ወገናት ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ቀዳምነት ኪህቡ ኣብ ስምምዕ በጺሖም እንዳተባህለ ፣ ትማሊ ሰንበት ከባቢታት ካርቱምን እምዱርማንን ብጽዑቕ ደብዳብ ኪናወጹ ምዉዓሎም እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።
ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ሓደስቲ ሲቪላዊ ዓላማታት ተቘጻጺሮም ኢሉ ዝኸስስ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ እቶም ሓይልታት ካብ ትማል ሰንበት ጀሚሩ ደብዳባት ነፈርቲን ከቢድ ብረትን ኣጽዒቚ ከምዘሎ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ኣብ’ዚ ራብዓይ ሰሙኑ ኣቚጺሩ ዘሎ ግጭት ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት እኳ እንተኣተዉ፣ እቶም ስምምዓት ሻቡ ክጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት ዕለታዊ ኪዛይድን ምርኣይ ልሙድ ምህላዉ ይሕበር።
ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፣ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዝነበርታ ካርቱም በቲ ኲናት ሓለፋ ተጸልያ ዘላ ኮይና፣ ንዝበዝሐ ክፋል ተፈናቐልቲ እታ ሃገር ውኪላ ከምዘላ የነጽር። በቲ ኣብ ሱዳን ዝብእስ ዘሎ ኲናት ኣስታት 800 ሽሕ ሰብ ክሳደድ ተኽእሎ ከምዘሎ ቤትጽሕፈት ምዉህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ታ ሃገር ኣጠንቂቚ እዩ።
ካብ’ቲ ኣብ ማእከላይ ከባቢታት ሱዳን ብሓፈሻ ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን ድማ ብፍላይ ጽዒቚ ዘሎ ኲናት ኣርሒቖም ናብ ዝሓሸ ርግኣት ዘለዎ ከባቢታት እታ ሃገርን ጎረባብትን ሃገራትን ናይ ዝዑቀቡ ዘለዉ ሰባት ብዝሒ ዕለታዊ ይዛይድ ምህላዉ ዘመልከተ እቲ ቤትጽሕፈት፣ እቲ ኲናት ናብ መላእ ሱዳን እንተሊሕሙ ካብ’ቲ ሃገር ክዉሕዝ ዝኽእል ብዝሒ ስደተኛት ዝተዓጻጸፈ ከምዝኸዉን እዩ ዘጠንቅቕ።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ፡ደገፍቲን ዘራያትን ኣዉሒሶም ኣብዚ ኲናት ናይ ኣነ ይሰማዕን ኣነ ይሕይልን መንፈስ ክዉንኑ ይረኣዩ ብምህላዎም ፣ እቲ ጉዳይ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ይዂን ሓያላት ሸምግለቲ ፍታሕ ክርከቦ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ትዓዘብቲ ይሕብሩ ።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብ11 ግንቦት ተኣኪቡ ነቲ ኣብ ሱዳን ብተራጸምቲ ሓይልታት ዝፍጸም ዘሎ ኩሉዓይነታዊ ግህሰት ዝዂንን ጸቢብ ዉሳኔ ምሕላፉ ዝግለጽ ኮይኑ፣ እቲ ሓሳብ ብዝኾነት ኣፍሪቃዊት ይዂን ዓረባዊት ሃገር ዝኾነ ደገፍ ዘይምርካቡ ፣ ነተን እቲ ዉሳኔ ንኽሓልፍ ብመሪሕነት ዝተጓየያ ኣመሪካን ብሪጣንያን ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ጽፍዒት እዩ ነይሩ።