ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ’ቲ ኣብ ዩክሬን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ናይ ዝኾነ ወገን ጸግዒ ከምዘይሓዘት ኣማኻሪ ጸጥታ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ብ13 ግንቦት ኣተሓሳሲቡ። እቲ ኣማኻሪ ነዚ ዝገልጽ ዘሎ ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ንሩስያ ቀረብ ኣጽዋር ገይራ ዝብል ክሲ ካብ ሰብመዚ ምምሕዳር ዋሺንግተን ክወጽእ ድሕሪ ምጅማሩ እዩ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሩበን ብሪጌቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፣ ሓንቲ ዓባይ መርከብ ሩስያ ኣብ ማያዊ ገማግም ኬፕታዉን ካብ ዝርከብ መደበር ኣጽዋር ጽዒና ከምዝኸደት ዘእምን መርትዖ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ፣ ካብ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ ሻቕሎታት ክዓርግ ጀሚሩ ይርከብ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ ካልእ እዋን ምስ ሩስያን ቻይናን ዘይወግዓዊ ምድንጋጽ ተርኢ ኣላ ኢሉ ዝኣምን መንግስቲ ኣመሪካ ፣ እታ ሃገር መርገጺታታ ከተመሓይሽ ንምቕሳብ ዝኾነ መመኽነይታ ክጽበ ምጽንሑ ይንገር። ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ንምዃናን ኣብ ዝተጋብአ ህጹጽ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ድምጻ ዝዓቀበት ደቡብ ኣፍሪቃ ፣ ምስ ሩስያን ቻይናን ናይ ቊጠባን ጸጥታን ምሕዝነት ተደላድል ኣላ ጥራይ ዘይኮነ ፣ ኣብ’ቲ ቻይና፣ ሩስያ፣ ብራዚልን ህንዲን ዝርከባሉ ቊጠባዊ ደንበ ብሪክስ (BRICS) እዉን ንጡፍ ኣባልነት ወኒና ዓለማዊ ቊጠባ ኣብ ዝጸልዉ ዋሳኔታት ቦታ ኣዉሒሳ ከምዘላ ኣይርሳዕን።

ቊጠባዊ ደንበ ብሪክስ ኣብዚ ግዜ እዚ ቈመናኡ ኣደልዲሉ ንከም ስዑድያን ኢራንን ዝበላ ዓርሞሽሽ ሸያጦ ነዳዲ ከይተረፈ ንምጽንባር መደባት ኣጻፊፉ ሓድሽ ዓለማዊ ፊናንሳዊ ስርዓት ንምዉፋር ይዳሎ ከምዘሎ ዝሕበር ኮይኑ፣ በዚ ኣዝየን ርዒደን ዝርከባ ኣመሪካን መሓዙታን ድማ ንኣባላት ሃገራት እዚ ደንበ ብኣጋኡ ኣብ ምፍርራህን እገዳ ከኸትሉ ዝኽሉ ምኽንያታት ኣብ ምንዳይን ይጓየያ ከምዘለዋ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ የረድኡ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ግዜ’ዚ ምስ ኣመሪካ ዘየቃዱ መርገጺታት ሒዛ ትጓዓዝ ከምዘላ ዝሕብሩ ጸብጻባት  ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ምስ ሩስያን ቻይናን ዘቃንዐቶ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ፣ ከምኡ’ውን ብኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ናይ ማእሰርቲ ፍቓድ ዝወጸሉ ፕረዚደንት ፑቲን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘይጸገም በጺሑ ምምላሱ ገለ ከም ናይ ቀረባ ኣብነታት ክዉሰዱ ይኽእሉ።