ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ’ዉን ንኤርትራ ኣብ ማእከል’ቲ ናብ ዓለማዊ ኲናት ዝገማገም ዘሎ ምትፍናን ሃገራት ምዕራብን ምብራቕን ንምሽማማ ነቒሉ ከምዘሎ ሓደ ኣባል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ናብ ኤሪሳት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ ኣባል ኣብ ሓበሬታኡ ፣ በቲ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ መሪጽዎ ዘሎ ሓድሽ ቅዲ ዲፕሎማሲ፣ ኤርትራ ልዕሊ ካልእ እዋን ኣብ ዓይኒ ሃገራት ምዕራብ ኣትያ ግዳይ ዝተፈላለዩ መቕጻዕትታት ካብ ምዃን ከምዘይተዕርፍ ኣተሓሳሲቡ።

መሬታዊ፣ ማያዊን ኣየራዊን ግዝኣት ኤርትራ ንዝኾነ ግዳማዊ ሓይሊ ኣይንጉንዕን ኢሉ ዓመታት ዝፈከረ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ካብ 2015 ቃሉ ኪዓጽፍ ከምእተራእየ ዝጠቐሰ እቲ ኣባል፣ ነቲ ንዕጡቓት ሑቲ ንምድቓቕ ብሱዕድያን ኤማራትን ዝምራሕ ዝነበረ ልፍንቲ ንከባቢታት ዓሰብ ኣካርዩ ምንባሩ የዘኻኽር።

ንግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራ ከም መዋገዪ ዕምሪ ስልጣኑ ክጥቀመሉ ዝርአ መራሒ ህግደፍ ፣ ነዚ ሕጂ ምስ ኲናት ዩክሬን ጥርዙ ወኒኑ ዝርከብ ጸኒሕ ቊጠባዊን ወተሃደራዊን ትፍንን ሃገራት ምዕራብን ምብራቕን መዝሚዙ ፣ ካብቲ ካብ ኣመሪካን መሓዙታን ከይመጸኒ ኣይተርፍን እዩ ዝብሎ መቕጻዕቲ ንምርሓቕ ፡ንቊጠባውን ወተሃደራውን ጠለባት ሩስያን ቻይናን ብዘይሰገጥ ንምስሳይ ሓለፋ ቅሩብነት የርኢ ከምዘሎ ይፍለጥ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቻይና ዝተገብረሉ ፍሉይ ኣቀባብላ ፣ ነጸብራቕ ናይቲ እቲ መራሒ ንረብሓ ቻይናን መሓዙታን ንምስሳይ ኣረጋጊጽዎ ዘሎ ቅሩብነት ከምዝኾነ ወሲኹ ዘረድአ ኣባል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ፣ መራሒ ህግደፍ ካብ ቻይናን ሩስያን ቀጻሊ ደገፍ ክረክብ ምዃኑ ይግምት ።

ጉጅለ ህግደፍ ከም ዘይወግዓዊ ኣሳላጢ ዞባዊ ፖሊሲታት ሩስያን ቻይናን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተኸቲቡ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዝሓለፈ ወርሒ ኣቃሊዖም ነይሮም። እቶም ምንጭታት ኣብ ሓበሬታኦም፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ብዉልቁን ብመንገዲ ልኡኻቱን ኣብ ሃገራት እዚ ዞባ ተጸሚድ ብጽሖታት ከሰላስል ፣ ሃገራት እቲ ዞባ ሓቢረን ኣብ ጸግዒ ሩስያን ቻይናን ደዉ ክብላ የኽእሉ እዮም ኣብ ዝበሃለሎም ቊጠባዊን ጸጥታዊን መዳያት ንምርዓመን ድማ ኪጽዕር ይርአ ከምዘሎ እዮም ኣረዲኦም።

ጉጅለ ህግደፍ መለሳ ተማእዛዝነቱ ካብ ሩስያን ቻይናን ገዚፍ ቊጠባዊን ወተሃደራዊን መቚሽሽ ይሓፍስ ከምዘሎ ዘቃልዑ እቶም ምንጭታት፣ መራሒ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ከጽንሖ ንዝኽእል ዝኾነ ዕድል ንምኽሳብ ንኤርትራን ነዚ ዞባን ናብ’ቲ ዓለማዊ ኲናት ከየኸትል ተሰጊእሉ ዘሎ ምትፍናን ደንበ ምዕራብን ደንበ ሩስያ-ቻይናን ኪሸሞም ስኽፍ ከምዘይብሎ እዮም ዘተሓሳስቡ።