ጉጅለ ህግደፍ ንቕንያት መዓልቲ ናጽነት ኣመኽንዩ ኣብ ጎደናታት ኣስመራን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ሃገርናን ናይ ዘውፍሮም ቊጽሪ ኣባላት ሰራዊት፣ ኣሃዱታት ሃንደሳ ከምኡ’ዉን ስለያ ብርኡይ የዛይዶ ምህላዉ ወኪላት ኤሪሳት ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብ ቅንያት መዓልቲ ነጻነት ንሰላማዊ ህዝቢ ዘነጻጸሩ ሽበራውያን መጥቃዕትታት ኪካየዱ ተኽእሎታት ኣሎ ዝብሉ ወረታት እንዳነዘሐ ፣ ነቲ ኣብ’ተን ከተማታት ዘዛይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ኮለላን ሰለላን ምኽኑይ ንምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ እቲ ዝበጽሐና ሓበሬታ ዘረድእ።

ከም ሓደ ኣብነት ፣ ኣብ ምብርዓን ዝጻወዱ ነተጒቲ ክወፍራየን ዝተባህለለን ኣህዱታት ሃንደሳን ወተሃደራዊ ስለያን ኣብ ክሉላት ከባቢታት ዞባ ማእከል ዓስኪረን ምህላወን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብዘይካ’ዚ፣ እቶም ዝረኸብዎ መንእሰያት ኣብ ምልቃም ዝወርሓ ኣሃዱታት ጸጥታ ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ተወሳኺ ራዕዲ ንምፍጣር ሰላማዉያን ሰባት ናይ ምግፋፍ ንጥፈታት ከምዘየቋረጻ ይሕበር።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ 32 ዓመታት ዘፍቅድ ዘሎ ናጽነት ሃገሩ ኣብ ዝተሓተ ደራጃ መነባብሮ፣ ዘየቋርጽ ፍልሰት፣ ማኣሰርቲ ፣ መጭወይቲን መቅተልቲን የሕልፎ ምህላዉ ይፍለጥ።
ካብ ህዝቢ ዝዛይድ ዘሎ ጽለኣት ናብ ተግባራዊ ስጒምቲ ይቃረብ ምህላዉ ኣጸቢቚ ዝፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ ድማ ህዝቢ ትንፋስ ክረኽበላ ይኽእል እዩ ንዝብላ ንእሽቶ ነቓዕ ኣብ ምዕባስ ዘለዎ ጸዓት የዉፍር ከምዘሎ ኣይርሳዕን።

ኣብ ግዜያት መዓልቲ ናጽነት ናብ ከተማታት ዝውሕዝ ቊጽሪ ኣባላት ጸጥታን ዝብርኽ ስለያዊ ኮለላን ህግደፍ ልሙድ እኳ እንተኾነ፥ ኣብዚ ግዜ’ዚ ክኸርር ተደሊዩ ዘሎ ዘቤታዊ ቊጽጽር ግና ብዓይነቱን ውዳቤኡን ፍልይን ትርርን ዝበለ ከምዝመስል ፥ እዚ ድማ ህግደፍ ነቲ ዝውህለል ዘሎ ህዝባዊ ጽለኣትን – እቲ ጽለኣት ዝደፍኦ ዘሎ ንለዉጢ ልዕሊ ካልእ እዋን ዝብህግ ሓይልን ኣዚዩ ሰጊኡሉ ከምዘሎ ዘረድእ ከምዝኾነ ወኪላት ኤሪሳት ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።