ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ንሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ (ዳዕመል ሰሪዕ) ገና ይደናገጹን ይድግፉን ኣለዉ ዝበሎም ኣርባዕተ ኣዘዝቲ ሰራዊት መንግስቲ ካብ መዝነቶም ከምዝኣለየ ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢረን።
እቲ ጀነራል ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ ፣ ሜጀር ጀነራል ዑስማን መሓመድ ሓሚድ፣ ሜጀር ጀነራል ሓሳን ማህጁብ ኣልፋደል ዓብደልሓሚድ ፣ ብርጋደር ጀነራል ኣብሸር ጊብሪል ባላየል ፣ ከምኡ’ውን ብርጋደር ጀነራል ዑመር ሓምዳን ኣሕመድ ካብ መዝነቶም ክእለዩ ኣዚዙ።
እቶም ጀነራላት ንሰራዊት ዳዕመል ሰሪዕ ካብ ምሕጋዝ ተቘጢቦም ናብ መሳርዕ ሰራዊት መንግስቲ ኪምለሱ ንዝተገብረሎም ጻዉዒት ስለዘየኽበሩ እዮም መዓርጎም ተሓዲጎም ዘለዉ።
እቶም ኣርባዕተ ጀነራላት ኣብ መሪሕነት ሰራዊት ዳዕመል ሰሪዕ ዘይነዓቕ ተራ ዘለዎም ኮይኖም፣ ሜጀር ጀነራል ሓሚድ መሓመድ ንወተሃደራዊ ስርሒታት እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ዘማእዝን ኪኸዉን እንከሎ፣ ሜጀር ጀነራል ኣልፋደል ዓብደልሓሚድ ከም ዳይረክተር ንቤትጽሕፈት ኣዘዝቲ ዳዕመል ሰሪዕ፣ ብርጋዴር ጀነራል ባላየል ኣዛዚ ናይተን ምስ ሪፓብሊክ ማኣከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዘዳዉብ ከባቢታት ዝነጥፋ ተንቀሳቐስቲ ኣሃዱታት፣ ብርጋዴር ጀነራል ኣሕመድ ሓማድ ድማ ኣብ ጂዳ ንዝቃናዕ ዘሎ ዘተ ሰላም ንዳዕመል ሰሪዕ ወኪላ ንትሳተፍ ዘላ ጉጅለ ዝመርሕ ዘሎ እዩ።
ብዘይካዚ ጀነራል ኣልቡርሃን ፣ ንኣማሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ሱዳን ብምስጓግ ፣ ኣብ’ቲ ባንክን ካልኦት ባንክታት እታ ሃገርን ንዘሎ ሒሳባት ዳዕመል ሰሪዕ ኪድስክል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።