ኢትዮጵያ ናብ ምሉእ ዉድቀት ተምርሕ ምህላዋ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ደጊሞም ሓቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብዚ ግዜ እዚ ቀንዲ ግዳይ ናይ’ቲ ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዝተኣትወ ሽርክነት ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ዘረድኡ እቶም ምንጭታት፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ኣየናይ ኢትዮጵያዊ ወገን ጸግዒ ሒዙ ናይ መን ኪሓድግ ኣብ ዝብል ግድል፡ ዓቕሊ ኣጽቢቡ ኣብ ቅድሚኡ ምስ ዘዝጸንሕዎ ኢትዮጵያዉያን ሓይልታት ይተፋነን ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።
ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዉን ወተሃደራዉን ህልኽ ኣትዩ ዘሎ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ፣ ምስ ሰራዊት ምንቅስቓስ ሓርነት ኦሮሞ ዝተሰርዐ ዘተ ሰላም ብዘይፍረ ድሕሪ ምዝዛሙ እዉን ኣብ ተመሳሳሊ ክርፍስ ኣትዩ ይርከብ። ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ኣብ ሞንጎ ሓይልታቱን ሰራዊት ፈደራልን ወተሃደራዊ ጎንጽታት ይዛይዱ ከምዘለዉ እዩ ዝፍለጥ።
ንሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣኽቲቱ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዝኣተወ ኣቢይ ኣሕመድ ፣ ዝተለሞ ገዚፍ ፖለቲካዊ ጽልዋን ዕብለላን ከይሰመረ ብመራሒ ጉጅለ ህግደፍ ተቐዲሙ፡ ተኣማንነትን ተገዛእነትን ክልላት ኣምሓራን ዓፋራን ከሲሩ ከምዝርከብ ኣይርሳዕን።
ህግደፍ ነቲ ንህወሓት ከዳቕቕ ኢሉ ዝተጸንበሮ ኲናት ሕድሕድ ስዒቦም ክቀላቐሉ ዝኽእሉ ሓደስቲ ስግኣታት ንምብዳህ ፡ ንሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ካብ ተማኣዛዝነት ፈደራላዊ መንግስቲ ዘናግፎም ወተሃደራዊን ቊጠባዊን ደገፍ ክቕርብ ምጽንሑ ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት፣ ቀጻልነቱ ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ምህላዉ ዝተገንዘበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ – ንዘረባታት ሃገራት ምዕራብ ክሰምዕን ምስ ክልል ትግራይ ድማ ህዉኽ ምቅርራባት ከባዝሕ ይርአ ምህላዉ እዮም ዘገንዝቡ።
ኣብ ከቢድ ናይ ድሕረ-ኲናት ፖለቲካዊ ነዉጺ ተሸሚሙ ዝርከብ ኣቢይ ኣሕመድ፣ ካብ’ቲ ብዙሕ ግዜ ክሒዱና’ዩ ዝብል ርድኢት ወኒኑ ዘሎ ህዝቢ ኦሮሞ ክድብሶ ደልዩ ዘሎ ተቀባልነት እዉን ይዕወት ከምዘየለ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝገዘፈ ጽልዋ ዘለወን ክልላት ኣብ ከምዚ ዝበለ ምርሕሓቕ በጺሐን ምስ ዘዝመረጽኦ ዉሽጣዊ ይዂን ግዳማዊ ወገን ክሽርኻ ምርኣይ ፣ ተሰማዕነትን ኣገዳስነትን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ወዲቚ እታ ሃገር ናብ ዉድቀት ተምርሕ ምህላዋ ዘመላኽት ምዃኑ የተሓሳስቡ።
እቶም ምንጭታት ኣብ መወዳእታ፡ ምስ ህግደፍ ዝምስረት ዝኾነ ይኹን ሽርክነት መለሳኡ እንታይ ከምዝመስል ፡ ካብ’ዚ ሕጂ ኢትዮጵያ ኣትያቶ ዘላ ሕንፍሽፍሽ ንምርዳእ ዘገጽም ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።