ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ምምሕደራዊ ቊጽጽር ዘዛይድ ዘሎ መንግስቲ ሱዳን ፣ ኩሉ ኣብታ ሃገር ዝነብር ወጻእተኛ ናብ ዝቐረበ ቤትጽሕፈት ኢሚግሬሽን ክምዝገብ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ።

እቲ መምርሒ ካብ 15 ግንቦት ክሳብ መፋርቕ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ክትግበር ተደልዩ ምህላዉ እዉን መንግስቲ የረድእ። ወጻእተኛታት ይዂኑ ስደተኛታት ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ግዜ ተመዝጊቦም ሰነድ ከይሓዙ እንተተረኺቦም መጥረዝቲ ክገጥሞም ምዃኑ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን ከም ኣካል ትሕዞ ዶላር ኣመሪካ ንምዉሓስ፡ ሕጋዊ ነባርነት ወጻእተኛታት ንምክትታል፡ ከምኡ’ዉን ኣካይዳታት ኣብ ሃገሩ ናይ ዝነጥፉ ኣዉፈርቲ ንምቊጺጻር ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ፣ ኣብ ምሕደራ ቪዛ ቀጻሊ ምቅይያራት ይገብር ምህላዉ ምንጭታት ካብታ ሃገር ክሕብሩ ቀንዮም እዮም።

ከም ኣካል ናይቲ ዝተኣታቶ ዘሎ ሓድሽ ኣሰራርሓ ፣ ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ሕጋዊ ነባርነት ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ንምርግጋጽ ወርሓዊ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልታት ተፍትሽን ምክትታልን ኽገብሩ ከምዝኾኑ፣ እቲ ዝግበር ተፍትሽ ኣብ መንበሪ ገዛን ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ብምእታዉ ዘይኮነ ኣብ ጎደናታት ጥራይ ዝቃናዕ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ ተኣፋፊ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ኩነታት እትርከብ ዘላ ደቡብ ሱዳን፣ ብወጻእተኛታት ተዓብሊሉ ዝበሃል ቊጠባኣ ንምክትታል ዝተፈላለዩ ጸጥታዊን ፊናንሳዊን መምርሒታት ተውጽእ ከምዘላ እዩ ዝንገር። እቶም መምርሒታት ነቶም ኣብታ ሃገር ርኡይ ጽልዋ ኣመስኪሮም ዘለዉ ኤርትራዉያን ሓለፋ ይሃስዩ ከምዘለዉ እዉን ይዝረብ።

ስለዝኾነ ፣ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብመንግስቲ ንዝወጽኡ መምርሒታት ብቐረባ ክከታተሉን ካብ ዘይተደልየ ጸገም ከርሕቚን ይግባእ።
ኣብ መፍርቕ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ፡ ማእከላይ ባንክ ደቡብ-ሱዳን ፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝግበሩ ንግዳዊ ይዂን ወፍራዊ ወጻኢታት ብዶላር ዘይኮነ ብሃገራዊ ባጤራ ጥራይ ክካየድ ተሪር መምርሒ ብምትሕልላፉ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሓያሎ ኤርትራዉያን ኣዉፈርቲ ኣብ ሻቕሎት ኣትዮም ምህላዎም ይፍለጥ።

እቲ ብማእከላይ ባንክ ወጽዩ ዘሎ መምርሒ፣ ዝኾነ ኣብ ዉሽጢ ሱዳን ዝግበር ቊጠባዊ ምልዉዋጥ ብሃገራዊ ባጤራ እንተዘይኮይኑ ብናይ ወጻኢ ባጤራ ኪቃናዕ ከምዘይብሉ እዩ ዝእዝዝ።

ዝበኣሰ ቊጠባዊ ዝቕባበ ኣሰኒፍዋ ብሕጽረት ናይ ወጻኢ ባጤራ ተጣሪዓ ምህላዋ ኣብ ዝንገረላ ደቡብ ሱዳን፣ ዝበዝሐ ንግዳዊ ንጥፈታት ብዶላር ኣመሪካ ክካየድ ምጽንሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ሓያሎ ኤርትራዉያን ነጋዶ ዶላር ኣመሪካ እናተጠቕሙ ካብቲ ናይ ሸመተ ሓይሉ ኣብ ዝተሓተ ባይታ ወዲቚ ዝርከብ ባጤራ ደቡብ ሱዳን ከስዕበሎም ዝኽእል ሃስያ ነብሶም ከድሕኑ ምጽንሖም ይንገር።

ኤርትራዉያን ኣዉፈርቲ ቀሊል ንዘይኮነ ክፋል ሃገራዊ ቊጠባ ደቡብ ሱዳን ከምዝጸልዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሃንደበት ብዝኽሰቱ ጸጥታዊ ስግኣታትን ብዝተኣታተዉ ቊጠባዊ ፖሊሲታትን ብቐጥታ ክጽለዉ ከምዝረኣዩ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።

ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ኩሉ ናይ ንግዲን ወፍርን ዕድላት ምስሰኣኑ ናብ ሃገራት ኡጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኣንጎላን ካልኦት ሃገራት ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃን ከውፍሩ ይግደዱ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ’ተን ሃገራት ዝርከቡ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ህግደፍ ንመሰልን ድሕነትን እቶም ዜጋታት ኣብ ምውሓስ ዝኾነ ተበግሶ ክወስዳ ስለዘይረኣያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበጽሑ ቊጠባዊን ኣካላዊን በደላት ብዘይ ተመልሶ-ሕጊ ይዛይዱ ምህላዎም እዩ ዝግለጽ።