ህወሓት ንዉሳኔ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ከምዘይቅበሎ ዘመልክት ወግዓዊ መግለጺ ኣዉጺኡ።
ህወሓት ኣብ መግለጺኡ ፣ እቲ ዉሳኔ ንዝኸይድ ዘሎ ትግባሬ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ዘዉድቕ ጥራይ ዘይኮነ ንህላዌን ሓላፍነት ስግግርን ናይቲ ብዝበዝሑ ኣባላት ህወሓት ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዉን ዘጓኒ ከምዝኾነ የረድእ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዉን ፣ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዉሳኔኡ ዳግመ ግምት ኪገብረሉ ብምጽዋዕ ፣ እቲ ጉዳይ መሰረታዊ ፍታሕ ክርከበሉ ምስ ሰብ መዚ ፈደራል ክዘራረበሉ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንሕጋዉነት ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣፍልጦ ኪህብ ይጽገም ምህላዉ ሓቢሩ እዩ። ኣብ ሞንጎ ፈደራል መንግስቲን ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኲናት ድሕሪ ምዉላዑ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ንህወሓት ካብ መሳርዕ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት እታ ሃገር ዝሰረጸ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ፣ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ፣ ቊጠባዊ ይዂን ምሕደራዊ ምንቅስቓሳት ኣባላት እቲ ሰልፊ ቀጻሊ ቀይዲን ምክትታልን ክቃናዕ ንከም ኣኻብር ሕጊን ካልኦት ጸለዉቲ መሓዉራት ፈደራል መንግስቲን ጻዉዒታት ከዛይድ ምጽንሑ ይንገር።
እቲ ሃገራዊ ቦርድ ኣብ ናይ ሎሚ ቅነ መግለጺኡ፣ ብህወሓት ተሰዲዱ ዝቐነየ እቲ ሰልፊ ሕጋዉነቱ ለቢሱ ኣብ ምሳርዕ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት ክምዝገብ ዕድል ኪወሃቦ ዝጠልብ ደብዳቤ ድሕሪ ምግምጋም ፣ ጠለብ ህወሓት ዳግመ ግምት ክግበረሉ ዝኽእል፣ እቲ ሰልፊ ከም ሓድሽ ክምዝገብ ቅሩብ ምስ ዝኸዉን፣ ቦድር ድማ ነቲ ሓድሽ ምዝገባ ክቕበሎ ምስ ዝኽእልን እዩ።
ቤትምኽሪ ወከልቲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት ፣ ንህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ከውጽኦ ድሕሪ ምስምማዑ ፣ ህወሓት ኪንዮ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝህሉ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዳግማይ ጽልዋኡ ከመስክር ተስፋ ኣንቢሩ እዩ ጸኒሑ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ እታ ሃገር ንሕጋዉነት ህወሓት ብዝምልከት ኣጽኒዕዎ ዘሎ ትሪ ነቲ ኣብ ሞንጎ እቲ ሰልፊን ፈደራላዊ መንግስቲን ክዛይድ ዝጸንሐ ናይ ምትምማን መንፈስ ዝፈታተን ከምዝኸዉን ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ የረድኡ።