ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ሱዳን ዕለታዊ ይብእስ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። እቲ ውድብ ኣብ መግለጺኡ፣ በቲ ኣብ’ታ ሃገር ናብ ካልኣይ ወርሑ ዝቃረብ ዘሎ ኲናት ዛጊት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ተፈናቒሉ ከምዘሎ እዩ ዘተሓሳስብ።

ቤት-ጽሕፈት ምዉህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሓበሮ እዉን፣ ልዕሊ ፍርቂ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሱዳን ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኢት ከምዘድሊዮን ፣ ነዚ ንምምላእ ልዕሊ 2.5 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊን ኣገንዚቡ ኣሎ። ዝተፈላለያ ሃገራት ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ፖርት ሱዳን የራግፋ እኳ እንተለዋ፣ ዝመጽእ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጠለብ ፍጹም ከምዘይራኸብ እዩ እቲ ቤትጽሕፈት ዘብርህ።

ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ተጻብኦ ደዉ ከብሉ ጻዕርታት ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎ እዋን ፣ ግጭት ብዝጸዓቐ መልክዕ ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ። ብስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ተመንግዩ ኣብ ጂዳ ዚጸዓረሉ ዘሎ ዘተ ሰላም ደሓን ዉጽኢት ኣመዝጊቡ ክልቲኦም ወገናት ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ቀዳምነት ክህቡ ኣብ ስምምዕ በጺሖም እንዳተባህለ ፣ ኣብ ሓያለ ከባቢታት ማእከላይ ሱዳን ግጭት ይቕጽል ከምዘሎ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ የረድኡ።

ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፣ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዝነበርታ ካርቱም በቲ ኲናት ሓለፋ ተጸልያ ዘላ ኮይና፣ ንዝበዝሐ ክፋል ተፈናቐልቲ እታ ሃገር ውኪላ ከምዘላ የነጽር። በቲ ኣብ ሱዳን ዝብእስ ዘሎ ኲናት ኣስታት 800 ሽሕ ሰብ ኪሳደድ ተኽእሎ ከምዘሎ ቤትጽሕፈት ምዉህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ታ ሃገር ኣጠንቂቚ ነይሩ እዩ።

ካብ’ቲ ኣብ ማእከላይ ከባቢታት ሱዳን ብሓፈሻ ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን ድማ ብፍላይ ጽዒቚ ዘሎ ኲናት ኣርሒቖም ናብ ዝሓሸ ርግኣት ዘለዎ ከባቢታት እታ ሃገርን ጎረባብቲን ሃገራትን ናይ ዝዑቀቡ ዘለዉ ሰባት ብዝሒ ዕለታዊ ይዛይድ ምህላዉ ዘመልከተ እቲ ቤትጽሕፈት፣ እቲ ኲናት ናብ መላእ ሱዳን እንተሊሕሙ ካብ’ቲ ሃገር ክዉሕዝ ዝኽእል ብዝሒ ስደተኛት ዝተዓጻጸፈ ከምዝኸዉን እዩ ዘጠንቅቕ።

ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ፡ደገፍትን ዘራያትን ኣዉሒሶም ኣብዚ ኲናት ናይ ኣነ ይሰማዕን ኣነ ይሕይልን መንፈስ ኪዉንኑ ይረኣዩ ብምህላዎም ፣ እቲ ጉዳይ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ይዂን ሓያላት ሸምግለቲ ፍታሕ ክርከቦ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ትዓዘብቲ ይሕብሩ ።