ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ንዝብገስ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ እትርከብ ጥልያን  መንግስቲ ቱኒዝያ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ኣብ ዘካይዶ ተመሳሳሊ ጻዕሪ ክትተሓጋገዝ ምዃና ሓቢራ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ማተዮ ፒያንተዶሲ ኣብ ናይ ቱኒዝያ ዑደቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ቱኒዝያ ዋሕዚ ናይቲ ካብ ሃገሩ ዝብገስ ብዝሒ ስደተኛ ንምግታእ ዝኽተሎ ዘሎ ተሪር ፖሊሲ ኪምጎስ ከምዘለዎ እዩ ኣነጺሩ።

ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያን ቱኒዝያን ናይ ዝብገሳ ጀላቡ ስደተኛታት ኣብዚ ቅንያት ይተዓጻጸፍ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ቱኒዝያ፡ ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ናይ ዝትስፈዉ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ቀንዲ መነሃርያ ኮይና ዘላ ሃገር እያ። ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት እውን ብኣባላት ጸጥታ ቱኒዝያ ተታሒዞም ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ከም ዝርከቡ ይፍለጥ።ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መብዛሕትኦም ካብ ትሕቲ ሰሃራ ዝመጹ 14 ሽሕ ስደተኛታት ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ክድሕኑ እንከለዉ፡ እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝተመዝገበ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ከምዝዛይድ ይጠቅስ።

ካብ ቱኒዝያ ዝንህር ዘሎ ዋሕዚ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት በቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝብርኽ ዘሎ ጽለኣት ይብእስ ምህላዉ እዉን ይንገር። ኣብ ቱኒዝያ ኣንጻር ስደተኛታት ዝካየድ ዓሌታዊ መጥቃዕትታት ብምዝያዱ፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ሃገራት ትሕተ-ሳሃር ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ይረኣዩ ምላዎም ተገሊጹ እዩ።

ብዝወርዶም ዘሎ መጥቃዕቲታት ሰጊኦም ኣብታ ሃገር ናብ ዝርከባ ኤምባሲታቶም ብምኻድ ዑቅባ ይሓቱ ናይ ዘለዉ ስደተኛታት ብዝሒ እዉን ዕለታዊ ክዛይድ ይርከብ።

ሓያለ ካብቶም ኣብ ቱኒዝያ ዝርከቡ ኣስታት 21 ሽሕ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ብናይ እምባጋሮ ጉጅለታትንመንእሰያትን ናይ ዝነብሩሎም ከባቢታት ዝተፈላለዩ ኣካላዊ መጥቃዕትታት ይበጽሖም ከምዘለዉ ዝሕብሩ ኮይኖም፣ ኣባላት ፖሊስ ነቲ ተርእዮ ንምግታእ ምድንጓያት ከምዘርእዩ እዮም ዝወቕሱ።