ኣብ ቀዳሞት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝሰገረ ብዝሒ ስደተኛታት ካብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝተመዝገበ ኣሃዝ ብ82 ሚእታዊት ከምዝዓቢ መርበብ ሓበሬታ ኢንፎ-ማይግራንት ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ናይ ዝጠፍአ ህይወት ስደተኛታት ብዝሒ እዉን ብተመሳሳሊ ኣብዚ ዓመት እዚ ምዝያዱ እቲ መርበብ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ቀዳሞት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይ 2022 ኣስታት 800 ስደተኛታት ኣብቲ ማያዊ መስመር ህይወቶም ኪጠፍ እንከሎ፣ ካብ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ግን ህይወት ናይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት እዩ ጠፊኡ ዘሎ።
ብኻልእ ወገን ብዝሒ ናይቶም ካብ ገማግም ቱኒዝያ ዝብገሱ ስደተኛታት ካብቲ ካብ ገማግም ሊብያ ዝብገስ ብዝሒ ይሓልፎ ምህላዉ ይንገር። ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክትዎ፣ ኣብዚ ዓመት ናብ ዓዲ ጥልያን በጺሖም ካብ ዘለዉ ስደተኛታት እቶም 13 ሽሕ ካብ ገማግም ቱኒዝያ ዝተበገሱ እዮም። ኣብ 2022 ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝተመዝገበ ብዝሒ 1,300 ጥራይ እዩ ኔሩ።
ብዘይካ’ዚ ኣብዚ ዓመት ዛጊት ልዕሊ 14,000 ስደተኛታት ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ካብ ጉዕዞ ክምለሱ ተጌሩ ኣሎ። በዚ ድማ ብዝሒ ናይቶም ካብ ገማግም ቱኒዝያ ዝብገሱ ዘለዉ ስደተኛታት ምስ ናይ ሊብያ ይዳረግ ከምዘሎ ክርዳእ ይከኣል።
ካብ ቱኒዝያ ዝንህር ዘሎ ዋሕዚ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት በቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝብርኽ ዘሎ ጽለኣት ይብእስ ምህላዉ እዉን ይንገር።