ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘይምርግጋእ ንምስፋን ሽበራዊ ወፍሪ ወጢንኩም ብዝብል ክሲ ተእኣሲሮም ዝርከቡ ጋዜጠኛታት፣ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ተወለድቲ እታ ክልል መግቢ ናይ ምሕሳም ኣዳማ ኸካይዱ ምቕናዮም ሓደ ካብ ጠበቓኦም ሓቢሩ። ጠበቓ ሰለሙን ገዛሀኝ ንኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቶም ብጥርጠራ ተዳጒኖም ዝርከቡ ወገናት ካብ 7 ግንቦት ጀሚሩም ን10 መዓልታት ነቲ ኣድማ ከምዘካወኑ የረድእ።
ጉዳዮም ግቡእ ፍርዳዊ መስርሕ ተሓሪምዎ ከምዘሎ ዝወቕሱ እቶም ጥርጡራት ፣ መንግስቲ ፈደራል ዝመስረተሎም ክሲ እኹል መርትዖ ስለዘይብሉ ፍርዳዊ መስርሕ ይናዋሕን ይተሓላለኽን ምህላዉ እዮም ዘረድኡ።
ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ክፍልታት ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክልል ኣምሓር ጥሩፋዊ ሽበራ የራብሑ ኣለዉ ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ወገናት ካብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ኣራሚ ስጉምቲ ክወስድ ምጅማሩ ይፍለጥ።
ንሕገመንግስቲን ክልላዊ ምሕደራን እታ ክልል ጨዉዮም ሓይሊ ንምምንዛዕ ኣብ ልዕሊ ዝጓየዩ ዘለዉ ወገናት ብስም ህዝቢ ኣምሓራ ንፍሽፍሽ ንምፍጣር ዘካይድዎ ዘለዉ ሽርሒ ኣደብ ንምትሓዝ ክስራሕ ተጀሚሩ ከምዘሎ እዩ እቲ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያ፣ ሓይልታት ምክልኻል፣ ከምኡ’ዉን ፈደራል ፖሊስ ዘካተት ሓይሊ ዕማም ዘተሓሳስብ።
እቲ ንፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ መሳርዕ ፈደራላዊ ፖሊስን ሰራዊትን ኣግዒዝካ ንምምእካለን ዝተወጠነ መደብ ብዘይካ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኩለን ክልላት ብዘይዕንቅፋት ምስልሳሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተራእየ ህዝባዊን ብረታዊን ተቛዉሞ እዉን ብከፊሉ መግትኢ ተገይርሉ እቲ ውጥን ኣብ መስርሕ ከምዘሎ እዩ ክዝረብ ጸኒሑ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ክልል ኣምሓራ ዚሕይሎ ዘሎ ተቛውሞ ንምግታእ ተረርቲ ምኽኒታት ከስምር ጀሚሩ ምህላዉ ተገሊጹ እዩ። ኣብ ክልል ኣምሓራን ከተማ ኣዲስኣበባን ዝመደበሮም ፖለቲካዉያንን በርገሳዉያንን ተንቀሳቐስቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣንን ትካላትን መንግስቲ ሽበራዊ ስጉምትታት ከቃንዑ መዲቦም ዝብል ምኽንያት ድማ ሓደ ካብኡ ኮይኑ ዘሎ’ዩ።
ኣብ ልዕሊ መንግስቲን ትካላቱን ብረታዊ ዉዳቤታት ከካይዱ ጸኒሖም ዝተባህሉ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝኾኑ ሓያለ ምሁራትን ኣካየድቲ ሚድያታትን ድሮ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ዝሓበሩ ጸብጻባት፣ መንግስቲ ፈደራል ነቲ ኩነታት ኣብ ምድቓቕ እቶም ካብ ክልል ኣምሓራ ዝዓርጉ ዘለዉ ተቛዉሞታት ኪጥቀመሎም ተወሳኺ ወፈራታት ከካይድ ተዳሊዩ ምህላዉ ክሕብሩ ጸኒሖም’ዮም።
ኣብ ምዝዛም ወርሒ ሚያዝያ ዘጋጠመ ቅትለት ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ፣ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት እታ ክልልን ፈደራላዊ መንግስቲን ብጉዳይ ዳግመ ስርርዕ ፍሉያት ሓይልታት ዝርአ ዘሎ ምትፍናን ናብ ዝበኣሰ ሸነኹ ኣዕሪግዎ ምህላዉ ኣይርሳዕን።
ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ስልጣን ዝተወሰደ ብረታዊ ስጒምቲ በቶም ንምኽታም ፍሉይ ሓይሊ እታ ክልል ዝቋወሙ ገለ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተቓንዐ ኪኸዉን ይኽል እዩ ዝብሉ ወገናት ፣ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ እዉን ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝሕይል ዘሎ ህዝባዊ ምዕዝምዛማት ንምቚጻይ ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ኪወስድ ምኽኒት ንምርካብ ነቲ ቅትለት ፈጺምዎ ከይከዉን ስክፍታ ከምዘለዎም ኣዮም ዝግምቱ።
መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ህወሓት ዘርእዮ ዘሎ ምድንጋጽ ዝተዋሕተሉ ዘይመስል ህዝቢ ክልል ኣምሓራ፣ ዝተወደበን ዘይተወደበን ተቛውሞታት ከርኢ ጀሚሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ተቛዉሞ ብኣብ ዉሽጢን ግዳምን ዝነጥፋ ፖለቲካዉያን ዉድባት፣ በርጌሳዉያን ማሕበራት፣ ሚድያታትን ማሕበረኮማትን ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ኪድገፍን ኪምዘንን ይርአ ብምህላዉ ፣ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ከቢድ ስግኣት እዩ ዝርከብ።