ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ (ሃማመተኤ) ኣብ ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ክሳተፉ ካብ ወጻኢ ንዝመጽኡ መንእሰያት ዒላማ ዝገበሩ ቀጸልቲ ኣኼባታት ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ምንጭታትት ሓቢሮም።

እቶም ኣኼባታት፥ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ`ተን ብደለይቲ ፍትሒ ዝምረሓ ማዕከናት ሓበሬታን ካልኦት መራኸቢ ብዙሃን ሃገራት ምዕራብን ንጉዳይ ኤርትራ ኣልዒሎም ዘቐምጥዎም ሓቅትታት ንምጥምዛዝን ዝተፈላለዩ ሜላታት ተጠቒምካ ንምዕንቃጸንን ኩሉዓይነታዊ ስጒምትታት ከተግብሩ ዝጒስጒሱ ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ብጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተጻዒኑ ዘሎ ጸቕጢ ፡ ኮነ ኢልካ ንህዝብን ሃገርን ንምዕናዉ ከምዝኾነ ከእምኑ ዝጽዕቱ ዘለዉ እቶም ኣኼባታት፥ ኣብ ባይታ ንዘለዉ ሓቅታት ጎስዪዮም ንማሕበረሰብ ዓለም ከደናግሩ ይኽእሉ እዮም ዝበሃለሎም መምርሒታት ነቶም መንእሰያት ንምትሕልላፍ ዝነቐሉ ከምዝኾኑ ምንጭታትና ይሕብሩ።

ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ መንእሰይ መሰሉ ተጋሂሱ ዘይኮነ ብምስጡር ሸርሕን ውዲትን ምዕራባውያን ሓይልታት ተታሊሉ ከምዝኾነ ዝጉስጒሱ ዘለዉ እቶም ኣኼባታት፥ መንእሰያት ሃገራዉነትን ስምዒታት ዋንነትን ከጥፍኡ ገይሩ ዘሎ ጠንቂ እቲ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝዝረበሉ ገሃሲ ኣካይዳታት መንግስቲ ኤርትራ ከምዘይኮነ ከረድኡ እዮም ዝሃልኩ ዘለዉ።

ኣብቶም ኣኼባታት ዝሳተፉ ካብ ዘለዉ መንእሰያት ገለ ውሑዳት ብዛዕባ ግጉይ ኣካይዳታት ህግደፍን፡ እቶም ኣኼባታት ዝዓብጥዎም ዘለዉ ገዘፍቲ ሓቅታትን ኣልዒሎም በዳህቲ ሕቶታት ከቕርቡ ይረኣዩ ከምዘለዉ ዘረድኡ ምንጭታትና፥ ካብ ኣካየድቲ እቶም ኣኼባታት ዝወሃብ ዘሎ መልሲ ግና ዝተለምደን ዘይኣዕጋቢን ከምዝኾነ የስምሩሉ።