መራሒ መሰጋገሪ ልዑላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ኣብዱልፋታሕ ኣቡርሃን ንመዝነት እቲ ከም ምክትሉ ኮይኑ ዝነጥፍ ዝነበረ ጀነራል መሓመድ ሓምድ ደጋሎ ማለት ሓመቲ ከምዝሰረዞ ኣፍሊጡ።

ኣልቡርሃን ዝሓለፈ ዓርቢ 19 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፣ ሓመቲ ካብ መዝነቱ ተእኣልዩ ቦታኡ ብኣዛዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን -ሰሜንን ኣምሓዳሪ ዞባ ብሉ ኒልን ዝኾነ ማሌክ ኣጋር ኪትካእ ተጌሩ ኣሎ።

ኣልቡርሃን ነዚ ምዉሳኑ ፣ ምስ ሓመቲ ክመሓየሽ ይኽል እዩ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ ዝጸንሐ ዝምድና ዝቐትል ኮይኑ ኣሎ። ሓመቲ ካብ መዝነት መሰጋገሪ ልዑላዊ ባይቶ ምስጓጉ ኣብ’ታ ሃገርን ኣብ ህዝቢ ሱዳንን ዝጸንሖ ጽልዋን ተቐባልነትን ብኣሉታ ክጽሎ እዩ ብዝብል እምነት እዩ ኣልቡርሃን ነቲ ስጒምቲ ወሲዱ ዝብሉ ወገናት እዉን ኣለዉ።

ስምምዓት ግዝያዊ ምቊራጽ ተጻብኦታት ይእተዉን ይጠሓሱን ኣብ ዘለወሉ ግዜ ፣ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ወሃቢ ንጡፍ ደገፍን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ጻዕቂን ስፍሓትን የዛይድ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፣ ከም ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዘሎ ዕንወት ይተዓጻጸፍ ምህላዉ የረድእ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ፖለቲካዊ ጽልዋ ሓይልታት ሓመቲ ንምድኻም ንኣዘዝቲን ተደናገጽቲን እቶም ሓይልታት የሳጒግ ከምዘሎ እዉን ይፍለጥ፣ ጀነራል ኣቡርሃን ንሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ (ዳዕመል ሰሪዕ) ገና ይደናገጹን ይድግፉን ኣለዉ ዝበሎም ኣርባዕተ ኣዘዝቲ ሰራዊት መንግስቲ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መዝነቶም ከምዝኣለየ ኣይርሳዕን።

እቶም ጀነራላት ንሰራዊት ዳዕመል ሰሪዕ ካብ ምሕጋዝ ተቘጢቦም ናብ መሳርዕ ሰራዊት መንግስቲ ክምለሱ ንዝተገብረሎም ጻዉዒት ስለዘየኽበሩ እዮም መዓርጎም ተሓዲጎም። እቶም ኣርባዕተ ጀነራላት ኣብ መሪሕነት ሰራዊት ዳዕመል ሰሪዕ ዘይነዓቕ ተራ ዘለዎም ኮይኖም፣ ሜጀር ጀነራል ሓሚድ መሓመድ ንወተሃደራዊ ስርሒታት እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ዘማእዝን ኪኸዉን እንከሎ፣ ሜጀር ጀነራል ኣልፋደል ዓብደልሓሚድ ከም ዳይረክተር ንቤትጽሕፈት ኣዘዝቲ ዳዕመል ሰሪዕ፣ ብርጋዴር ጀነራል ባላየል ኣዛዚ ናይተን ምስ ሪፓብሊክ ማኣከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዘዳዉብ ከባቢታት ዝነጥፋ ተንቀሳቐስቲ ኣሃዱታት፣ ብርጋዴር ጀነራል ኣሕመድ ሓማድ ድማ ኣብ ጂዳ ንዝቃናዕ ዘሎ ዘተ ሰላም ንዳዕመል ሰሪዕ ወኪላ ንትሳተፍ ዘላ ጉጅለ ዝመርሕ ዘሎ እዩ።

ብዘይካዚ ጀነራል ኣልቡርሃን ፣ ንኣማሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ሱዳን ብምስጓግ ፣ ኣብ’ቲ ባንክን ካልኦት ባንክታት እታ ሃገርን ንዘሎ ሒሳባት ዳዕመል ሰሪዕ ኪድስክል ትእዛዝ ከመሓላልፍ እንከሎ፣ ንኣዛዚ ፖሊስ እታ ሃገር እዉን ካብ መዝነቱ ኣልጊስዎ ኣሎ።