ስድራ ስውኣት ተጠቀምቲ ናይ`ቲ ንመናበይኦም ተባሂሉ ካብ ዜጋታትን ሰብኣውያን ማሕበራትን ናብ ኢድ መንግስቲ ዝኣቱ ልዑል መጠን ገንዘብ ከምዘይኮኑ፡ ወኪላት ኤሪሳት ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ንመሰሰኒ ስድራ ስውኣት ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ህግደፍ ናብ ዝተኸፍተ ናይ ባንክ ሕሳብ ዝልእክዎ ልዑል መጠን ገንዘብ ኣብ ኢድ ውሑዳት ሰበስልጣን ይጠፍእ ምህላዉ ዘመልከቱ እቶም ወኪላት፥ እቶም ዜጋታት ን ስድራ ስውኣት ዘይኮኑ ንማሕፉዳ`ቶም ብስም ስውኣት ዝሽቕጡ ውሑዳት ይመልኡ ምህላዎም ከስተብህሉ ኣዘኻኺሮም።
ጉጅለ ህግደፍ ነተን ምእንቲ ናጽነት ብሉጻት ዝኸፈላ ስድራቤታት ኣብ እዋናት 20 ሰነ ጥራይ ክዝክረን ከምዝርአ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ እተን ስድራቤታት ነቲ ካብ ኢድ ህግደፍ ዝቅበልኦ ቁራቦ ገንዘብ`ውን ንኣዋርሕ ተረሲዑ ድሕሪ ምጽናሕ ዝኽሪ 20 ሰነ ኣብ ዝቃረበሉ ከምዝወሃበን`ዩ ዝንገር።
ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ማሕበራትን ዝገብርዎ ሓገዛት ነተን ስድቤታት ቀጥታዊ ረብሓ ዝህብ ክኸውን ከምዝግባኣ ዘተማሕጸኑ እቶም ወኪላት ኤሪሳት እንተዘይኮይኑ እተን ስድራቤታት ብህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ ብህዝቢ`ውን ይጥለማ ምህላወን ምግንዛብ ከምዘድሊ ገሊጾም።
ስድራ ስውኣት ብ ጸቢብ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ሓለፋ ተበዲሎም ካብ ዘለው ክፋላት ሕብረተሰብ`ዮም።