ኣብ ጥልያን ዝነጥፋ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝርኤ ሞት ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ሸለልትነት ሃገራት ኤውሮጳ ይቕጽል ከምዘሎ ወቒሰን። እተን ማሕበራት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ዝኽተሎኦ ዘለዋ ሰንኮፍ ኣተሓሕዛ ድሕነት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንቡዙሓት ስደተኛታት ግዳይ ይገብሮም ከምዘሎ ኣስሚረናሉ ።

ኤውሮጳ ንቅልውላው ስደት እትህቦ ዘላ ምላሽ ዝኾነና እተን ማሕበራት፡ ስርሒታት ምድላይን ምድሓንን ንምዕባይ፡ ድሕነት ናይቶም ነዚ ሓደገኛ ጉዕዞ ዝፍትኑ ሰባት ንምርግጋጽ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ እውን ጸዊዐን ኣለዋ ። እተን ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ መንግስታት ካብ ቀይዲ በተኽ ፖሊሲታት ምቁጽጻር ዶባት ንላዕሊ፡ ኣብ ህይወት ምድሓን ስደተኛታት ቀዳምነት ሂበን ክሰርሓ ከምዝግባእ እዉን ኣተሓሳሲበን።

ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ክንዲ ዘይስሩዕ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ኣብ ምግጣም ዝያዳ ርህሩህን ሰብኣዊን ኣገባብ ክኽተላ ኣተሓሳሲበን፡ ከም ድኽነት፡ ግጭትን ሕጽረት ዕድላትን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ጠንቅታት ስደት ምፍታሕ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣስሚረናሉ።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ እዋን ጎዕዞ ዝጠፍአ ህይወት ሰባት ዝተዋደደ ኣህጉራዊ ምላሽ ብህጹጽ ከምዘድሊ ዘዘኻከራ እተን ትካላት ፣ መንግስታትን ዓለምለኻውያን ትካላትን ንድሕነትን ሂወትን ውልቀሰባት ቀዳምነት ዝህብ ኩለመዳያዊ ስትራተጂታት ንምምዕባል ብሓባር ክሰርሑ ኣተሓሳሲቦም ፣
ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ካብ ማያዊ ገማግም ሃገራት ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ዝብገስ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝኽተሎ ዘሎ ተሪር ፖሊሲ ከመሓይሽ ዝጠልብ ኣህጉራዊ ጻዉዒት ይዛይድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰብ-መዚ እቲ ሕብረት ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ሊብያ፡ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣካየድቲ መርበባት ንግዲ ደቂ ሰብ ዘድሊ ምርመራታት ኽካየድ ዝጽውዑ ኽስታት ናብ ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ገበነኛታት ኣትዮም ከምዝርከቡ ኣይርሳዕን።

ኤዉሮጳዊ ሕብረት ሕሰም ናይቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ምብኣስ መሪሕ ተራ ይጻወት ከምዘሎ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብቐጻሊ ኪወቅስ ጸኒሑ እዩ። እቲ ሕብረት ንመንግስቲን ዕጡቃት ወገናትን ሊብያ ኣማኢት ሚልዮናት ኤሮ እንዳጎንዐ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ኽምለሱን ተዳጒኖም ክሳቐዩን ይተሓጋገዝ ከምዘሎ ዝገለጽ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ እቲ ሕብረት ካብዚ ንድሕነት እቶም ስደተኛታት ዘየቕድም ግብረመልሳዊ ጽምዶ ተኣልዩ፡ ዘላቒ ፍታሕ ከናዲ ከምዝግባእ እዩ ዘተሓሳስብ።