በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጲያ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን እታ ሃገር ምትእስሳር ንዘለዎ ተለቪዥን ንግዚኡ ስራሕ ደው ከብል ወሲኑ። እቲ በዓል መዚ ነዚ ዝወሰነ ፣ እታ ተለቪዝን ኣብ መንጎ መእመናን ፍልልያትን ምትፍናንን ዘጓሃህር ትሕዝቶታት ትፍኑን ፣ ተዂተዂቲ መግለጺታት ቅዱስ ሲነዶስ ብቐጻሊ ተጋውሕን ኣላ ብዝብል እዩ።

እቲ መዓል መዚ ኣብ መግለጺኡ ፣ ቅድሚ ሕጂ በታ ተለቪዥን ማሕበር ቅዱሳን ዝተባህለት ማዕከን ክመሓላለፉ ዝጸንሑ መደባት ብትዕግስቲ ክከታተሎ ምጽንሑ ጠቒሱ ፣ ድሕሪ ሕጂ ግን ኣብ ውሽጢ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓለማዊ ኣጀንዳ ክደፍኡ ዝጸንሑ ስሞም ዘይተጠቕሰ ጳጳሳት ስቕ ኢሉ ዝከታተለሉ ምኽንያት ከምዘይህሉ እዩ ኣተሓሳሲቡ።

ህጹጽነት ናይቲ ጉዳይን ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብቦርድ ቀዋሚ ውሳነ ክሳብ ዝውሰድ፡ ፍቓድ እታ መደበር ቴሌቪዥን ንግዚኡ ደስኪሉ ክጸንሕ ምዃኑ እዉን እቲ በዓል መዚ ኣነጺሩ ኣሎ።

በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ይዂን ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፡ ሚድያታትን ፖለቲካዉያን ተንቀሳቐስቲን ግጉይን ንድሕነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱን፣ ናይ ጽልኢን ጸለመን ጎስጋሳት ካብ ምግባር ኪቚጠቡ ዘጠንቅቕ መምርሒታት ብቐጻሊ ከውጽኡ ምጽናሖም ይፍለጥ።

ሚድያታት ኣብዚ እዋን ልዕሊ ካልእ ግዜ እወታዊ ሓላፍነተን ክዋጽኣ ከምዝግብአን ብተደጋጋሚ ዘጠንቅቕ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ንዓሌትን ፖለቲካዊ ተኸታልነትን ዜጋታት ዘነጻጽሩ ናይ ጽልእን ጸለመን ዘመተታት ከም ዝዓበየ ገበን ከምዝርአ እዩ ክሕብር ጸኒሑ።