ናይ’ዚ ሕጂ ወለዶ ፡ ናጽነት ንምምጻእ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ብግቡእ ተረዲኡ፡ ንሓርነታዊ ለውጢ ኣብ ዘካይዶም ዘሎ ወፍርታት፡ ናይ ምጽውዋርን ምክእኣልን ባህሊ ሕብረተሰቡ ከይርስዕ ዳግማይ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።
ኣብ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዝሰደድዎም መልእኽታት፡ ናይ ሎሚ ወለዶ፡ ርዝነትን መቐረትን እዛ ብኽንደይ ብድሆ ዝተረኽበት ናጽነት መወዳድርቲ ከምዘይብሉ ተገንዚቡ፡ ንሃገራዊ ሓርነት ኣብ ዝመርሖም ዘሎ ቃልስታት ፡ ብኸምቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝተመርጸ ጠማሪ ዕላማ ኸማእዝኖም ተላብዮም።
ህዝባዊ ብረታዊ ቃልሲ ነጻ ሃገር ድሕሪ ምውሓሱ፡ ኣብ ቅዋምነትን ትካላውነትን ዝኣምን ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል ዝነበረ ዕላማ ኾሊፉ ንዘሎ ጸቢብ ጉጅለ ንምእላይ ኣብ ጉዕዞ ዝርከብ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ነቶም እዚ ጸቢብ ጉጅለ ጻንሖቱ ንምንዋሕ ቀጻሊ ዝዘርኦም ናይ ወገንን ሃይማኖትን ሽርሕታት ልዕሊ ካልእ እዋን ክነቕሓሉን፡ ቃልሱ ኣብ ዘዐዉቱ መዳያት ኸስተብህል ከምዝግባእን ተሓቢሩ ኣሎ።
እቶም ዜጋታት ኣብ መልእኽቶም፡ መበል 32 ዓመተ ናጽነት፡ ኸምተን ዝሓለፋ ዓመታት ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ትሕቲ እዚ ንምዕባለ ዘምርሑ ኹሎም ጎደናታት ረጊጡ፡ ዜጋታት ዝሞቅሕ፡ ዝቐትል፡ ዘባርይን ዘሳድድን ጉጅለ ነብዕላ ምህላውና ጠቒሶም፡ ነዚ ጉጅለ እዚ ኣሊኻ ግዝኣተ-ሕጊን ቅዋምን ዝመርሓ ኤርትራ ንምግሃድ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ብመሪሕነት ዝነጥፉ ኹሎም ኤርትራውያን ሓይልታት ንሓባራዊ ድሌትን ትጽቢትን ህዝቦም ኽግዝኡ ተላብዮም።
እዚ ሓርነት ኸይቀምሰ፡ መጽነቲን መቕተልቲን ዝተኣወጀሉ ናይ ናጽነት ወለዶ ፡ ዘይከም ድሌት ጸላእቱ፡ ምስ ኩሉ ብድሆታት፡ ኣብ ነዊሕ መስርሕ-ምንቕቓሕ በሊሑን ደልዲሉን ፡ እንሆ ካብ ዘዝጸንሖ ንጽባቐን ድሕነትን ሃገር ይተኣኻኸብን ዓጸፋ ይቃለስን ከምዘሎ ዘመጎሱ እቶም ዜጋታት፡ ወለዶ ናጽነት ንመጻእቲ ወለዶታት ፍትሒ ዝነገሳ ሃገር ኽምጡ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ንፍልልያት ዝመልኽ ስልጡን ባህሊ ህዝቡ መውክስ ኽገብር ኣዘኻኺሮም።
እቶም ዜጋታት ኣብ መወዳእታ፡ ስልጣን ሰሪቚ ንዘሎ ጉጅለ ኸሳልይዎ ዝጸንሑ ምሕደራታት ፍርህን ሽቚረራን፡ ህዝቢ ኣብ ጉዕዞ ብዘዋህለሎ ንቕሓትን ትብዓትን ይሰዓሩ ኸምዘለዉ ብምርዳእ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ደለይቲ ለውጢ ደቁ ዝጽበዮ ፡ ናብ ቅኑዕ መኣዝን ዘአንፈተ ጥምረትን ብስለትን ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።