ህዝቢ ኤርትራ ካብ 25 ግንቦት ክሳብ 20 ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝኾነ ዓይነት ዉልቃዊ ዉራይ ከየካይድ ብህግደፍ መምርሒ ወጽዩ ምህላዉ ይሕበር ኣሎ።

እዚ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ዚዘዉር ዘሎ መምርሒ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ዛጊት እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ህግደፍ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ናይ ዝወደቚ ወገናትና ኣስማት ከርድእ ከይከዉን ግን ልዑል ግምት ኣሎ።

ኣብ ዉሽጢ ሃገርን ግዳምን ዝነብሩ ኩሎም ወለዲ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብዛዕባ ህላወን ኩነታትን ናይቶም ኣብ ኩናት ዓዲ ጓና ዝተሳተፉ ደቆም ዝኾነ ሓበሬታ ተሓሪምዎም ከብዶም ሓቚፎም ይጽበዩ ምህላዎም ይፍለጥ።

ህዝቢ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ፡ ብዛዕባ’ቶም ናብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብግዲ ዝወፈሩ እሞ ፣ ናብ ሃገሮም ብሰላም ተመሊሶም ዝተባህለ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ደቊ ደሃይ ስኢኑ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ብቐጻሊ ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዕላማኡ ሃሪሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ካብ ዝበሃል ራብዓይ ወርሒ ሓሊፉ እንዳሃለወ ፣ ወለዲ ንህላዌን ኣበየ ኩነታቶም ዝምልከት ዝነኣሰ ሓበሬታ ተሓሪምዎም ገና ኣብ ሻቕሎት ይርከቡ።

ዝበዝሑ ኣባላት ናይተን ካብ ኢትዮጵያ ተመሊሰን ዝተባህላ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ስድራቤቶም ይኹን መቕርቦም መልኽቲ ደሃይ ከይሰዱ ተኸልኪሎም ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ስድራቤታት ፡ ደቀን ብህይወት ምህላዎምን ኣበይ ከምዘለዉን ንምርግጋጽ ይጽገማ ከምዘለዋ ይዛረቡ።

ኣብ ኲናት ዓዲጓና ናይ ዝወደቚ ደቀን መርድእ ብዘይወግዒ ክፈልጣ ዝኸኣላ ስድራቤታት ኤርትራ ፣ ንቡር ሓዘን ከይገብራ ጓሂአን ኣብ ዉሽጠን ክሓብኣ ይግደዳ ምህላወን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ዉሽጢ ዓዲ ሓቢሮም ነይሮም።

ዕረፍቲ ደቅኽን መን ነጊሩክምን ብኸመይ ፈሊጥኩምን እንዳተባህሉ ብኣባላት ስለያ ህግደፍ ናይ ዝንገላትዑ ወለዲ ቊጽሪ ይዛይድ ብምህላዉ ፣ ሓያለ ስድራቤታት ሓዘነን ንግዳም ከየውጽኣ ይሕመሳን ፣ ጎረባብቲ ብከዉሊ ጥራይ ኪበጽሑወን ይረአን ከምዘሎ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።

ኣብ’ቲ ኲናት ዝወፈሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ስድራኦም ይኹን ቤተሰቦም ተሌፎን ይዂን ደብዳቤ ከይልእኹ ደቂቕ ምክትታል ይግበር ምህላዉ ዝሕብሩ ምንጭታትና፣ ተወጊኦም ኣብ ሕክምና ኪበጽሑን ብስራሕ ናብ ከተማታት ክንቀሳቐሱን ዕድል ካብ ዝረኸቡ ኣባላት ሰራዊት ብዝርከብ ሓበሬታታት ጥራይ እዩ እቲ ናይ ገለ ወገናትና ዕረፍቲን ኣበየ-ህላዌን ዝፍለጥ ዘሎ።