ኣብ ክልል ትግራይ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ክልል ሰፊሕ ተቓውሞ ብምክያድ፣ ዘይመንግስታዉያን ትካላትን መንግስትን ተቛሪጹ ንዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ዳግም ክጅምሩን፣ ብሰላም ናብ መንበሪኦም ክምለሱን ዘኽል መንገዲ ኪጣጥሓሎምን ዝጽውዕ ሰፊሕ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ተቓውሞ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ሽረ፣ ኣብይ ዓዲ፣ ካልኦት ከተማታት እቲ ክልል ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጀሚሩ ይካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ።
እቶም ተመዛበልቲ ከም ዝበልዎ፡ እቲ ተቓውሞ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምድንጓያት ኣቓልቦ ንምስሓብ ዝዓለመ እዩ። ካብ ካልኦት ጉዳያት እቶም ተመዛበልቲ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ካብ ዝተጎበጠ ከባቢታት ትግራይ ካብ ሰራዊት ምንግስቲ ወጻኢ ዝኾኑ ሓይልታት ብቕልጡፍ ክወጹ ጸዊዖም።

ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ካብ ወደብቲ ናይቲ ሰልፊ ዝኾነ ኣቶ ይብራህ የማነ ንኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቶም ሰልፈኛታት ንህጹጽ ሕቶታት ተመዛበልቲ ካብ መንግስቲ ኤትዮጵያን ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ከምኡ’ውን ዘይመንግስታዊ ትካላት ቅልጡፍ ፍታሕ ክወሃቦም ይጠልቡ ከምዘለዉ ኣነጺሩ።

ኣብ መቐለ እቶም ሰልፈኛታት ክሳብ ናብ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ብምኻድ ፣ ኣማኻሪ ሕጊ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምንግስቲ ትግራይ ዝኾነ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ንተመዛበልቲ ሕቶኦም ቅኑዕ ምዃኑን ግቡእ ዝኾነ መልሲ ክዋሃበሉ ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ምስ መንግስቲ ኤትዮጵያ ብምትሕብባር መፍትሒታት ንምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ ።

ካብ ሽረ ዝተመዛበሉን ሓደ ካብ ወደብቲ ናይቲ ሰልፊን ዝኾነ ኣቶ መልኣከሰላም ኪሮስ እውን ንአዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ሓገዛትን ሕክምናዊ መድሃኒታት ኣብ ዘይብሉ ብጥሜትን ዝተፈላለዩ ሕማማትን ይሳቀዩ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዘይረኽቡ ኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ኮይኑ ከምዘሎ ብምሕባር ፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ኣደዳ ሞትን ሕማማትን ከምዝኾኑ ኣብሪሁ። ተቛሪጹ ዘሎ ሓገዝ ዳግማይ ክጅመርን ናብ ዓድና እንምለሰሉ ባይታ ክፍጠርን ከምዘለዎ ድማ ይሕብር ።