መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ኣብ ወግዓዊ ጽንብል መበል 32 ዓመተ-ናጽነት ኤርትራ፡ ሕጂ’ዉን ሓድሽ ግዳማዊ ስግኣት ከምዘሎ ብምብሳር ህዝቢ ኣብ ቀጻሊ መኸተን ክምርሽ ዝጽዉዕ ተስፋ-ቁረጽ መልኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኣመሪካ ንኤርትራ ኣመልኪታ ኣዉጺቶ ዘላ ሓድሽ ሰነድ ፣ ንመንግስቲን ህዝቢን ኤርትራ ጭራስ ንምጥፋእ ዝነቐለ እዩ ክብል ዘጋነነ እቲ መራሒ ጉጅለ ፣ መላእ ሃገር ዳግማይ ኣንጻር እዚ ሓድሽ ግዳማዊ ዉዲት ደዉ ክብል እዩ ዘሕንኽ ትእዛዝ ኣምሊቚ።

ኪንዮ ዞባኣ፣ ኤርትራ ንዝገዘፈ ዓለማዊ ስግኣት ትቃለስ ምህላዋ እንዳሞገተ፡ ከም ልማዱ ንብዝሒ ዓመታት ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ክድምርን ኪመቅልን ዝተሰምዐ እቲ መራሒ፣ ንህዝቢ ኤርትራ – ነዚ ዓለማዊ ስግኣት ክብድህ ጥራይ እምበር ከም ካልኦት ኣህዛብ ምንባር ዘይ-ተዓደሎ ፍጥረት ኣምሲሉ ብምቕራብ ፡ ህዝብና ገና ኣብ ኩሉዓይነታዊ መኸተ ክጽመድ ከምዝኾነ እዩ ኣተሓሳሲቡ ዘሎ።

ኣብ 32 ዓመታት ናጽነት ዝተመዝገበ ዘነይት ምዕባለ ብዘይምህላዉ፡ ከም ልማዱ ንዞባዉያንን ዓለማዉያንን ኣስጋእቲ እንዳሓመየ ሕመቚ ኪሓብእ ዝፈተነ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብ’ዚ ክቡር ዕለት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ንመንፋዕቲን ትንሳኤን ቻይና ከወዓዉዕ ጥራይ ዘይኮነ ፣ ኤርትራ ምስ ቻይና መሪጽዎ ዘሎ ሽርክነት ከም ገዚፍ ዓለማዊ ፍጻሜ ብምቕማጥ ኣመሪካ በቲ ሽርክነት ኣዝያ ርዒዳ ንምብታኑ መዲባ ምህላዋ እዩ ክትርኽ ተሰሚዑ።

ብዘለዉን ዝተመስርሑን ሓደጋታትን ስግኣታትን ምኽንያታት ኣንዳቓነየ ፣ “ተጓኒናን ተዓሊቚናን እምበር ሃገራዊ ሕልምናን መሳርዕ ምሕደራናን’ሲ ንህንጸት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝተወፈየ’ዩ ዝነበረ!” እናበለ ዓመት መጸ ዝምድር እቲ መራሒ ፣ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ናጽነት መደርኡ’ውን ነቶም ሽምዱዳት ዕላላት ክደግም’ዩ ተራእዩ።

መራሒ ህግደፍ ንጉጅለኡ ኣብ ናይ ተበዳሊ ሸነኽ ኣቐሚጡ፡ ንልዕሊ 32 ዓመታት ዝደገሞም ሓሶታት  ውጹኣት ሓቅታት ኾይኖም ይስምዕዎ ከይህልዉ እዩ ዝስጋእ።