ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፋሉጅ ናይ ደቡብ-ሱዳን ግዝያዊ መዓስከር ናይቶም ካብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዝሃደሙ ሓያለ ኤርትራዉያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ኮይኑ ከም ዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኩነታት እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ስደተኛታት ዕለታዊ ይብስ ከምዘሎ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት ፣ ዛጊት ናይ ማይን መግቢን ቀረብ ከምዘይተዋሕሰሎም የተሓሳስቡ። መብዛሕትኦም ካብቶም ስደተኛታት ኤርትራውያን ኮይኖም፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘጋጠሞም ቀጻሊ ዓመጽ ናብ ሃገረ ሱዳን ተመዛቢሎም ድሕሪ ምጽነሖም ሕጂ ድማ ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሕዳዊ ግጭት ዳግማይ ናብ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ዑቕባ ንምሕታት እዮም ናብታ ሃገር ኣቅኒዖም ዝርከቡ ።

ኲናት ሱዳን ቅድሚ ምጅማሩ ልዕሊ 136 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ሱዳን ከምዝነበሩ ሕቡራት ሃገራት ይግምት። ብዙሓት ካብዞም ኣብ መዓርፎ ነፈሪ ጁባ ተኸርዲኖም ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ናይ ጸጥታ ውሕስነት ስለዘይብሎም ፡ መንነቶም ንጋዜጠኛታት ክገልጹ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ይሕበር።

ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ናብዚ ደቡብ ሱዳን ዑቅባ ንምሕታት ዝኣተወ ኤርትራዊ ተስፊት ግርማይ ብዛዕባ ኩነታቶም ክገልጽ ከሎ ፡ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ዓይነት ህይወት፡ ኣሽንኳይዶ ንሰብ ንእንስሳ ከምዘይትምንዮ ጠቒሱ፡ ንሱ ንዉልቁ ብምኻኑ ካብቶም ቆልዓ ሰበይቲ ዘለዎም ከምዝሓይሽ የረድእ።

ዛጊት ልዕሊ 700 ኤርትራውያን ናብ ደቡብ ሱዳን ኣትዮም እኳ እንተ ለዉ ፡ ዘይከም ካልኦት ዜጋታት ብመንግስቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘይከኣሉን ዋላ እውን ክምለሱ ፍቃደኛታት ከምዘይኮኑን ይሕብሩ ። ኣብ ሱዳን ካብ ኩናት ሓድሕድ ህይወቶም ንምድሓን፡ ካብ ከተማ ካርቱም ዝሃድሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቁጽሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርከተ ይመጽእ ምህላዉ ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።

ካብ ሱዳን ናብ ጁባ ብክንደይ መሰናኽል ዝበጽሑ ኤርትራውያን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ተዓጊቶም ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝኾነ ደገፍ ከምዝተኸልኡ ከምሳዕቤኑ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዘይ ዋሕስ ክቅበለኹም ኣይኽእልን እየ ስለ ዝበሎም፣ እቶም ዜጋታትና ኣብ ሰንፈላል ክወድቊ ካብ ዝኾነ ትካል ሕቡራት ሃገራት ይኹን ኣብ ከተማ ጁባ ካብ ዝርከብ ኤርትራዊ ድማ ደገፍ ይምሕጸኑ ከምዘለዉ ኣይርሳዕን።

ካብ ሱዳን ብመንገዲ መተማ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ዝህቅኑ ኤርትራዉያን ተፈናቐልቲ እዉን ካብ ኤምባሲኹም ናይ ዉሕስና ፍቓድ ኣይመጸኣናን እንዳተባህሉ ብኣባላት ጸጥታ ኪጓነዩን ኣብ ቃልዕ ክድርበዩን ምቕናዮም ተሓቢሩ እዩ።

ሱዳናውያን ፡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ዝኾኑ ተፈናቐልቲ ናብ ደቡብ ሱዳን ይኹን ኢትዮጵያ ንኽኣትዉ ክፍቀደሎም ከሎ ፡ ኤርትራውያን ግን ኤምባሲኹም ኸይነሕልፈኩም ከልኪልኩም ኣሎ ዝብል መልሲ ክወሃቦም ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።