ካብ 22 ግንቦት ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስቲን ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕን ተኣትዩ ዝተባህለ ናይ ሓደ ሰሙን ግዝያዊ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ብቐጻሊ ይጠሓስ ከምዘሎ ተገሊጹ።
እዚ ዝተገልጸ ብረቡዕን ሓሙስን ኣብ ከባቢታት ካርቱምን ኡምዱርማንን ጸጸኒሑ ግጭታት ድሕሪ ምምዝጋቡ እዩ። ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ሚግ ንዝዓይነታ ነፋሪት ኲናት ሰራዊት መንግስቲ ኣዉዲቖም ንሓደ ካብ ኣብረርታ ከምዝማረኹ ብምግላጽ፣ ንሓይልታት ኣልቡርሃን ብምጥሓስ ስምምዕ ተጻብኦ ኪኸሱ እንከለዉ ፣ ሰራዊት መንግስቲ ድማ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ንነጥብታት እቲ ተኣትዩ ዘሎ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ኣብ ዝሕልኹ ተግባራት ወፊሮም ኣለዉ እንዳበለ እዩ ዝወቅስ ዘሎ።
እቲ ብቐንዱ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ተጸበይቲ ንምብጻሕን ሰላማዊ ህዝቢ ናብ ዝወሓሰ ቦታ ኪግዕዝ ንኽፍቀደሉን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቊራጽ ተጻብኦ ዛጊት ኣብ ባይታ ዘመስከሮ ስራሕ ከምዘየለ እዩም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘረድኡ።
ኲናት ሱዳን ብሰላም ንምዕራፉ ኣብ ከተማ ጂዳ ብመንግስታት ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ብዝቕጽል ዘሎ ጻዕሪ ፣ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ካብ 22 ግንቦት ኣብ ዝጅምር ናይ ሓደ ሰሙን ስምምዕ ምቚራጽ ተጻብኦን ምውሓስ ሰብኣዊ ቀረብን ከምዝበጽሑ ይፍለጥ።
ክልቲኦም ሓይልታት ንልኣላዉነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን ዘለዎም ሓላፍነት፣ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ጅዳ ብ11 ግንቦት ዝኣተዉዎ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ከረጋግጹ ዝድርኽ ዉዕል ዘለዎም ተማኣዛዝነት ፣ እቲ ኲናት ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ርግኣት ሱዳን ከዉርዶ ብዛዕባ ዝኽል ዕንወት ዘለዎም ርድኢት፣ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢን ኩሉዓይነታዊ ሰብኣዊ መሰላቱን ንኽሕሎ ዘለዎም ቅሩብነትን ካልን ብምንጻር እዮም ነዚ ንሰሙን ዝኸይድ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ተሰማሚዖም።
ክልቲኦም ወገናት ካብ 22 ግንቦት ጀሚሩ ንዝመጽኡ ሸዉዓተ መዓልታት ካብ ምጥቕቓዕ ኪቚጠቡ፥ እቲ ስምምዕ ኣብ ዉሱን ከባቢታት ሱዳን ዘይኮነ ኣብ መላእ እታ ሃገር ከኽብርዎ፥ ንነጻ ምንቅስቓስ ሰላማዊ ህዝቢ ከፍቅዱ፥ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕን መጻኢ ምዕባሌታትን ንህዝቢ ንጹር ሓበሬታ ኸካፍሉ፥ ንድሕነት ፡ መሰልን ይኹን ህይወት ሰለማዊ ዜጋ ኣብ ሓደጋ ካብ ዘእቱ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ተግባር ክቚጠቡ፥ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት ናብ ተጸበይቱ ንኽበጽሕ ነቲ ሓገዝ ምስ ዘበጻጽሓ ኣካላት ክተሓጋገዙ ፥ ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ግዝያዊ ስምምዕ ከም መበገሲ ወሲዶም ንነባሪ መዓርፎ ሰላም ኪጽዕቱን ካልን ዝብሉ ነጥብታት ገለ ካብቶም ኣብ’ቲ ግዝያዊ ስምምዕ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ሰፊሮም ዘለዉ እኳ እንተኾኑ ፣ ዛጊት ኣብ ባይታ ዝተጨበጠ ዉጽኢት ግና የለን።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ኣብ’ዚ ሻቡዓይ ሰሙኑ ኣቚጺሩ ዘሎ ግጭት ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት እኳ እንተኣተዉ፣ እቶም ስምምዓት ሻቡ ክጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት ዕለታዊ ክዛይድን ምርኣይ ልሙድ ምህላዉ ይሕበር።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ፡ደገፍትን ዘራያትን ኣዉሒሶም ኣብዚ ኲናት ናይ ኣነ ይሰማዕን ኣነ ይሕይልን መንፈስ ክዉንኑ ይረኣዩ ብምህላዎም ፣ እቲ ጉዳይ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ይዂን ሓያላት ሸምግለቲ ፍታሕ ክርከቦ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ትዓዘብቲ ይሕብሩ ።