ዎክ ፍሪ ፋንዴሽን ዝተባህለ ተሓላቒ ኣካል ፣ ንተርእዮ ዘመናዊ ጊላነት ዓለምና ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ እዋናዊ ጸብጻብ ፣ ንኤርትራ ምስ ቀዳሞት ሰለስተ ሃገራት ሰሪዕዋ ።
እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ ፣ ኤርትራ ብሰሜን ኮርያ ተቐዲማ ንማዉሪታንያ ድማ መሪሓ እያ ነቲ ናይ ቀዳሞት ሰለስተ ጉጅለ ካልኣይ ተርታ ዓቲራ ከምዘላ ኣነጺሩ።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ነብሲወከፍ 1000 ሰባት እቶም ኣስታት 90 ግዳያት ዘመናዊ ጊላነት ከምዝኾኑ እዩ እቲ እዋናዊ ጸብጻብ ዘረድ። ዘመናዊ ጊላነት ፣ ሰባት ብዘይ ጻማን መለሳን ወይዉን ኣዝዩ ትሑት ክፍሊት ጉልበቶም ዝምዝመዝሉ ጥራይ ዘይኮነ ፣ ኣብ ግዱድ ስራሕን ዕስክርናን ከምኡ’ዉን ኣብ ግዱድ ዝምድናን ሓዳርን ዝቚረኑ ኣጋጣሚ ምስ ዝፍጠር ተፈጺሙ እንብሎ ገበን ምዃኑ እዩ እቲ ትካል ዘዘኻኽር።
ዎክ ፍሪ ፋንዴሽን ኣብዚ ድሕሪ ናይ 5 ዓመታት ጽዑቕ መጽናዕቲ ዘርጊሕዎ ዘሎ ጸብጻብ ፣ ዛጊት ኣስታት 50 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ኣብ ዘመናዊ ጊላነት ተቘሪኑ ከምዘሎ እዩ ኣስሚርሉ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ 6 ካብተን ዝሃብተማ 20 ሃገራት ዓለም ዘመናዊ ጊላነት ኣብ ምንሃር ብመሪሕነት ይዋስኣ ከምዘለዋ የረድእ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንኩሉዓይነታዊ መሰላት ህዝቢ ዝግህስ ዘሎ እንዳተባህለ ብኹለን ኣህጉራዉያንን ዞባዉያንን ተሓለቕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝዉቀስ ዝፍለጥ ኮይኑ ፣ እቲ ስርዓት ግን ነቶም ወቐሳታት ብድሎ ኪነጽጎም እምበር ዝኾነ ወገን ናብ ኤርትራ ኣትዩ ኣብ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ከይምርምር ከልኪሉ ይርከብ።
ፍሉይ ራፖርተር ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዓመት መጸ ኣብ ዘካፍሎ ጸብጻብ ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ኩሉዓይነታዊ ሰባኣዊ መሰላት ዛጊት ብዘይ ዝኾነ ምምሕያሽ ይቕጽል ከምዘሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምቕናዕ ስርዓተ-ሕጊን ኣዉሓስቱ ዝኾና ትካላትን ፣ ኣብ ምትዕርራይ ገደብ-ግዜ ሃገራዊ/ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ፣ ኣብ ምምሕያሽ ነጻነታት እምነት፡ ምትእኽኻብ፡ ሓስባካ ምግላጽን ፕረስን ፣ ኣብ ምግታእ ሃይማኖታዊን ቀቢላዊን ተነጽሎታት፣ ኣብ ምግታእን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ መጭወቲን መስወርቲን ዝኾነ ምምሕያሽ ከምዘይኣመዝገበ እዩ እቲ ፍሉይ ራፖርተር ዝገልጽ።
ናብ ኤርትራ ኣትዩ ንህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኪፍትሽ ዘቕረቦ ጠለብ ዛጊት እወታዊ መልሲ ከምዘይረኸበ ዘማርር እቲ ፍሉይ ራፖርተር ፣ ናብ’ታ ሃገር ክበጽሕ ክፍቀደሉ ብመንገዲ ማሕበረሰብ ዓለም ዝግበሩ ጻዕርታት ክዛይዱ እዩ ዝጽዉዕ።
ኣብ ባይቶ ሰባኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንካልኣይ እብረ ኣባልነት ሒዛ ንዘላ ኤርትራ ዝመርሕ ህግደፍ ፣ በቲ ባይቶ ንዝተመዘዘ ፍሉይ ራፖርቱር ንኩነታት ሰባኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ናብ ሃገር ኣትዩ ኸይምርምር ከልኪሉ ከይኣክል፣ እቲ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ዘይደሞክራስያዉያን ስርዓታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝዉስኖም ዉሳኔታት ኣብ ምቅዋም ብመሪሕነት ይነጥፍ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞም ግህሰታት ሰባኣዊ መሰላት ከም ዝነበሮ ይቕጽል ከምዘሎ ፣ ከም ሓለዋ ሰባኣዊ መሰላት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኮሚተ ንድሐት ጋዜጠኛታትን ጋዜጠኛታት ብዘይዶብን ዝኣመሰሉ ኣህጉራዉያን ተሓለቕቲ ዓመታዊ ኣብ ዘካፍልዎም ጸብጻባት ምስ ሓበሩ እዮም።