ናይ ሎሚ መንእሰይ ኤርትራ፡ እቲ ነጻነት ንምምጻእ ዝደመየን ንኤርትራ ናብ ልኡላዉነት ዝመርሐን ወለዶ ኣብ ፈለማ 20ታት ክሊ ዕድመ እንከሎ ዝተበገሰ ወለዶ ምንባሩ ዘኪሩ፡ እዋናዊ ቃልሲ ንሓርነት ብትብዓትን ብልሂን ከዐዉት ሓላፍነቱ ከምዝኾነ ኪኣምን ዳግማይ መዘኻከሪ ቀሪቡ።
ኣብ መዓስከር ደንደን ዝነብሩ ስንኩላን ሓርበኛታት ደጊሞም ናብ ኤሪሳት ኣብ ዝሰደድዎ መዘኻኸሪ፣ ናይ ሎሚ መንእሰይ ኤርትራ ዉህሉል ጫፍ ብልሒ ናይቶም ንመንነቱ ልኣላዉነት ዘውሓሱ ኣያታቱ ምዃኑ ኣሚኑ፡ ህዝቡን ሃገሩን ካብ ዘቤታዊ መግዛእቲ ንምንጋፍ ኣእምሮኡን ጉልበቱን ከይበቅቕ ብምጽዋዕ፡ ስደት ኣወጊዱ ንገዛእን መዝማዝን ጉጅለ ህግደፍ ኸሳድድ ከምዝግባእ የተሓሳስቡ።
ኣብ ኤርትራ ሰሪቱ ዘሎ ምልኪ ክቕንጥጥ ፡ እቲ ዝቐረበ ሓይሊ እቲ ኣብ ዉሽጢ ዘሎ መንእሰይ ምዃኑ ፡ እዚ መንእሰይ’ዚ ሓላፍነታዊ ድፍረት ወኒኑ ምስዝለዓልን ምስ ኣብ ግዳም ለቢሙ ዘሎ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ ተቓሪቡ ምስዝሰርሕን ጥራይ ድማ ህዝቢ ዝጽበዮ ራህዋን ሓርነትን ኽወሓስ ከምዝኽእል ዝመኸሩ እቶም ሓርበኛታት፡ ሃገር ከምጽእ ብቕንዕና ሰሪሑ ኣካሉን ዕድሜኡን ዘሽረፈ ኩሉ ተጋዳላይ ከም ኩሉ ሓፋሽ ነዚ ለውጢ እዚ ብሃረርታ ይጽበ ምህላዉ እዮም ደጊሞም ኣዘኻኺሮም።
ጉጅለ ህግደፍ ነቶም ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ብቅኑዕ ሃገራዊ ቀስቢ ዝተቓለሱ ተጋደልቲ ካብ ህዝቢ ከምዝጓነዩ ገይሩ ከምዝጠለሞም ዝሓበሩ እቶም ሓርበኛታት፡ እዚ ብመደብ ዝተሰርሓሉ ምፍልላይ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብቂዑ ህዝቢን ተጋዳላዪን ሓባራዊ ጸላኢኦም ኣለልዮም ከምዘለዉ ኣስሚሮምሉ።
ኣብ ፈለማ ሰብዓታት ፡ እቶም ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ መስመር ወኒኑ ኣብ ዓወት ክበጽሕ ዝሰርሑ ተቓለስቲ ዝበዝሑ ካብ 22 ክሳብ 27 ዓመት ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ምንባሮም ደጊሞም ዘዘኻኸሩ እቶም ሓርበኛታት ኣብ መወዳእታ፡ ናይ ሎሚ መንእሰይ ዋዒን ንእስነቲን ቀቲሉ ንድሕነት ሃገርን ህዝቢን ከቐድም መድረኽ ይጠልቦ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።