ከም ኣካል ትግባሬ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ናይሮቢ ፣ ሓይልታት ትግራይ ብረቶም ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምርካብ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብዚ ቅንያት እዚ ከምዝሓበርኦ፣ ወከልቲ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፈደራልን ከምኡ’ዉን ወከለቲ ናይታ ንትግባሬ ስምምዕ ሰላም እትከታተል ጉጅለ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ከባቢ ላጪ ናይ ከተማ መቐለ ስነስረዓት ምርካብ ተወሰኽቲ ብረታት ከምዝተቓንዐ ኣፍሊጠን።
ቀዳማይ እግሪ ምርካብ ከበድቲ ብረት ዝሓለፈ 11 ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ወከልቲ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ከምኡ’ዉን ወከልቲ ናይቲ ንምፍታሕ ዕጥቂ ምክትታል ዝስርሑ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ከተማ ኣጉላዕ ከምተቓንዐ ዝዝከር ኮይኑ፣ ካብቲ እዋን ጀሚሩ እቲ ምርካብ ብረታት በብመድረዂ ይቕጽል ምህላዉ ይንገር።
ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝጸንሐ ኣጽዋር ናብ መንግስቲ ናይ ምርካብ መስርሕ ይቕጽል ምህላዉ፣ ትግባሬ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ብሓፈሻ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ዘሎ ምትእምማን ድማ ብፍላይ ርኡይ ምዕባሌ የመዝግብ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ።