ካብ ሰራዊት ብዘተፈላለዩ ምኽንያት ዝተጣየሱ ዜጋታት ዳግማይ ናብ መሳርዕ ተጸንቢሮም ኣንጻር ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ደዉ ክብሉ ሚኒስትሪ ምክልካል ሱዳን ጸዊዑ።
እቲ ሚኒስትሪ ብ26 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ነቲ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ካርቱም ብሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢን ሲቪላዊ ዕላማታትን ዝብእስ ዘሎ ስርቅን ርስያን ንምምካት፣ ኩሉ ትሕቲ 65 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣባል ሰራዊት ነበር ዳግማይ ኪዓጥቕ እዩ ጸዊዑ ዘሎ።
መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ፈለማ፣ ኩሉ ብረት ክስከም ዝኽእል ዜጋ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ኪጽንበር ጸዊዑ እኳ እንተነበረ ሻቡ ነቲ መግለጺ ብምምሕያሽ ኣባላት ሰራዊት ንዝነበሩ ጥራይ መጸዋዕትኡ ኣቕሪቡ ዘሎ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን ነዚ መግለጺ እዚ ዘዉጽእ ዘሎ ፣ መራሒ መሰጋገሪ ልኡላዊ ባይቶ እታ ሃገር ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ሱዳን ዝነጥፍ ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ዎልከር ፐርዝስ ብኻልእ ሰብ ኪትካእ ዝጽዉዕ ህጹጽ ደብዳቤ ናብ ዋናጸሓፊ ኣንቶንዮ ጒታረዝ ከምዝሰደደ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን እዩ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ናይ ገለ ፖለቲካዉያን ወገናት ሱዳን ጸግዒ ሒዙ ዘይሻርነት ኣጥፊኡ ከምዘሎ ካብ ገለ ላዕለዎት ኣባላት ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ወቐሳታት ኪደጋገም ድሕሪ ምርኣዩ እዩ ጀነራል ኣልቡርሃን እቲ ዲፕሎማት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ስራሑ ደዉ ኣቢሉ ቦታኡ ብኻልእ ሰብ ክትካእ ዝጠልብ ደብዳቤ ልኢኹ ዘሎ።
ወሃቢቃል ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ብ26 ግንቦት ዝተላእከ ህጹጽ ደብዳቤ ንዋናጸሓፊ ኣንቶንዮ ጒታረዝ ኣዝዩ ከምዘሰንበዶ ጠቒሱ ፣ ዋና ጸሓፊ ኣብ ስራሕን ብቕዓትን ፍሉይ ልኡኽ ዎልከር ፐርዝስ ምሉእ ምትእምማን ከምዘለዎ ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ ፣ መጻኢ ምዕባሌታት እንታይ ክኸዉን እዩ ንዝብል ዝኾነ ሓበሬታ ኣየካፈለን።
ኣብ ሓደ ዕለት ማለት ብ26 ግንቦት፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን ናይ ክተት ጻዉዒት ምቕራቡ፥ ጀነራል ኣልቡርሃን ድማ ናብ ዋናጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ደብዳቤ ምልኣኹ ፣ እቲ ኣብ ሱዳን ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ኣልቡርሃንን ሓመቲን ነባሪ ምቊራጽ ተጻብኦ ንኽብጻሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ተስፋ ከየቚርጽ ልዑል ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ኣብ’ዚ ሻቡዓይ ሰሙኑ ኣቚጺሩ ዘሎ ግጭት ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት እኳ እንተኣተዉ፣ እቶም ስምምዓት ሻቡ ክጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት ዕለታዊ ኪዛይድን ምርኣይ ልሙድ ምህላዉ ይሕበር።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ፡ደገፍትን ዘራያትን ኣዉሒሶም ኣብዚ ኲናት ናይ ኣነ ይሰማዕን ኣነ ይሕይልን መንፈስ ክዉንኑ ይረኣዩ ብምህላዎም ፣ እቲ ጉዳይ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ይዂን ሓያላት ሸምግለቲ ፍታሕ ኪርከቦ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ትዓዘብቲ ይሕብሩ ።