ጉጅለ ህግደፍ ናይ ህዝቢ ከምዘይኮነ ብርግጽ ካብ ዝፈለጠላ ዕለት ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ፣ ህዝብና ንምምቕቓልን ኣብ መንጎእኡ ዘይምትእምማን ንምዕባይን ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ምህላዉ ምንጭታት ኤሪሳት ደጊሞም ኣተሓሳሲቦም።
ህግደፍ ፡ ሓደ ህዝቢ ከምዝኾንና እንዳፈለጠ ዘየርብሑ ፍልልያት ከዘክር፡ ዝዓረፉ ቂምታታት ክብርብር፡ ዝሓለፉ ጎነጻት ከናኽስ፡ ንዘይጸንሑ ምርሕሓቓት ድማ ክኽልስ ነዊሕ ይሃልኽ ምህላዉ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፡ ንዘመናት ካብ መግዛእታዊ ዓመጽን ጭቆናን ዘይተገላገለ፡ ግን ከኣ ንሓድነቱን ክብርታቱን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተወ ንዝህንደሱሉ ፈተንቲ ውዲታት ብብልሓት ነዊሕ ዝተሳገረ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂ’ዉን ነቲ ብዘቤታዊ መግብዛእቲ ንዓመታት ዝፍነወሉ ዘሎ ሽርሒ ከፍሽሎ ምዃኑ ኣገንዚቦም።
እዚ ክቡር መለልዪ መሰረቱ ወኒኑ ኸይዓቢ ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንዘዝመጸ ወለዶ ልቢ-ሃገር ሰዂዑ ከይበልሐ – ፍቕርን ክብርን ስድራን ህዝብን ከይመለኸ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን መዳጎኒ ማእከላትን እንዳጓረተ፡ ተገዛእነትን ወገናውነትን ብምልማል፡ ኣብ ዝደለኻዮ ግዜን ቦታን ፍልልያት ተኺልካ ናብ ዝመርጽካዮ ሸነኽ ኸተብሎ ዘየሸግር ወለዶ ንምፍጣር ክስርሕ ይርከብ።
እዚ ሕሱም ሜላ ብፍላይ ነቶም ካብ’ቲ ጉድለትን በደልን ርእዩ ዝግስጽ ህዝቦም ርሒቖም ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታትና ሃስያኡ እንዳዛየደ ይኸይድ ምህላዉ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፡ ህግደፍ ነቲ ኣብ ግዳም ዝገዝፍ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ንምቕታል ኣብ ፍልልያት ዝቃመሙ ኣዝዮም ሕሱራት ሜላታት ካብ ምዉፋር ኣዕሪፉ ከምዘይፈልጥ የረድኡ።
ሓቢርና ዝሰገርናዮም መስገደላት ዘርዕዶ ጉጅለ ህግደፍ በቶም ዘውፍሮም ዘሎ ሕሱራት ሜላታት-ዕንወት ክንዋደቕ ኽርእይ እንከሎ ክሳዕ ክንደይ ፍስሃን መንፈስ ህላዌን ይወሮ ኽንርዳእ ይግባእ ዝበሉ እቶም ምንጫታት፣ ንሓደ ዕላማ ደሞምን ህይወት ቀዳሞት ኣሕዋቶምን ዝኸፈሉ ኣሕዋት ኣብ ትርፈ-ምርፊ ርዲኢታት ኽዳመዩን ኽጓዪሑን ምርኣይ ንጉጅለ ህግደፍ ኪንዮ ብስራት ዝኸይድ ሩፍታ ከምዝህቦ ነስተውዕል።
ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ኽህልዎ ንቡር ምዃኑ ንዘለና ጸኒሕ ርድኢት ክቐትል ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ዝዋጋእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ኣብ’ቲ ዘይንጋየሾ ሓድነትን ምክብባርን ተመሊስና ክሳዕ ዘይደልደልና ገድሊ እዚ ጸቢብ ጉጅለ ንጥፍኣትና ዘይድቅስ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።