ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ሕሱም ኩነታት ኣልዒለን ኣብ ልዕሊ ዝጽብጽባ ማዕከናት ዜናን ትካላት ሰብኣዉነትን ዘካይዶ መጥቃዕቲ ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብዚ ቅንያት ንኩነታት ዘመናዊ ባርነት ብዝምልከት ዝጸብጸበት ዎልክ ፍረ ፋዉንዴሽን ዝተባህለት ትካል እዉን ተመሳሳሊ ኩነኔ ብምሃብ ዘስደምም መጎት ኣልዒሉ።

ሚኒስተር የማነ እቲ ኣብ ኤርትራ ሰሪቱ ዘሎ ዘመናዊ ባርነት ንታሪኽን ክቡር ልምድታትን ህዝቢ ኤርትራ ዘይዉክል ምዃኑ ብምምጓት ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ሕሱም ፖሊሲታት ህግደፍ ሰሪቱ ዘሎ ባርነት ኪሓባብኦ ሃቂኑ ኣሎ።

ኣብ ማዕርነትን ሰብኣዉነትን ዝዓሰሉ ሕብረተሰባዊ ልምድታት ኤርትራ ብህግደፍ ዓንዮም ፣ ህግደፍ ነዞም ክብርታት እዚኦም ንምጽናት ዝኽተሎም ዘሎ ኣካይድታት ድማ ኣብ ኤርትራ ኩሉዓይነታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንቡር ክዉሰድ ገይሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ፣ ሚኒስተር የማነ ኣብ ኤርትራ ሰሪቱ ዝበሃል ዘሎ ዘመናዊ ባርነት ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን ዝብል ጉልባብ ተጠቒሙ ንጌጋታት ህግደፍ ብድሕሪ ህዝቢ ኪኽዉሎ ምፍታኑ ዘገርም ኮይኑ ኣሎ።

ጸብጻብ ዎክ ፍረ ፋዉንዴሽን ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘመናዊ ባርነት ህዝቢ ኤርትራ መስፍናዊ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ ዘይኮነ ኣብታ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብስንኪ ዝኽተሎ ሕሱም ምሕደራ ሰሪቱ ዘሎ ጸገም ምዃኑ እዩ ዝሕብር።

ዎክ ፍሪ ፋንዴሽን ንተርእዮ ዘመናዊ ጊላነት ዓለምና ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ እዋናዊ ጸብጻብ ፣ ንኤርትራ ምስ ቀዳሞት ሰለስተ ሃገራት ሰሪዕዋ ምህላዉ ይፍለጥ ። እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ ፣ ኤርትራ ብሰሜን ኮርያ ተቐዲማ ንማዉሪታንያ ድማ መሪሓ እያ ነቲ ናይ ቀዳሞት ሰለስተ ጉጅለ ካልኣይ ተርታ ዓቲራ ምህላዋ ዝሕብር።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ነብሲወከፍ 1000 ሰባት እቶም ኣስታት 90 ግዳያት ዘመናዊ ጊላነት ከምዝኾኑ እዩ እቲ እዋናዊ ጸብጻብ ዘረድ። ዘመናዊ ጊላነት ፣ ሰባት ብዘይ ጻማን መለሳን ወይዉን ኣዝዩ ትሑት ክፍሊት ጉልበቶም ዝምዝመዝሉ ጥራይ ዘይኮነ ፣ ኣብ ግዱድ ስራሕን ዓስክርናን ከምኡ’ዉን ኣብ ግዱድ ዝምድናን ሓዳርን ዝቚረኑ ኣጋጣሚ ምስ ዝፍጠር ተፈጺሙ እንብሎ ገበን ምዃኑ እዩ እቲ ትካል ዘዘኻኽር።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንኩሉዓይነታዊ መሰላት ህዝቢ ዝግህስ ዘሎ እንዳተባህለ ብኹለን ኣህጉራዉያንን ዞባዉያንን ተሓለቕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝዉቀስ ዝፍለጥ ኮይኑ ፣ እቲ ስርዓት ግን ነቶም ወቐሳታት ብድሎ ኪነጽጎም እምበር ዝኾነ ወገን ናብ ኤርትራ ኣትዩ ኣብ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ከይምርምር ከልኪሉ ይርከብ።

ፍሉይ ራፖርተር ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዓመት መጸ ኣብ ዘካፍሎ ጸብጻብ ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ኩሉዓይነታዊ ሰባኣዊ መሰላት ዛጊት ብዘይ ዝኾነ ምምሕያሽ ይቕጽል ከምዘሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምቕናዕ ስርዓተ-ሕጊን ኣዉሓስቱ ዝኾና ትካላትን ፣ ኣብ ምትዕርራይ ገደብ-ግዜ ሃገራዊ/ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ፣ ኣብ ምምሕያሽ ነጻነታት እምነት፡ ምትእኽኻብ፡ ሓስባካ ምግላጽን ፕረስን ፣ ኣብ ምግታእ ሃይማኖታዊን ቀቢላዊን ተነጽሎታት፣ ኣብ ምግታእን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ መጭወቲን መስወርቲን ዝኾነ ምምሕያሽ ከምዘይኣመዝገበ እዩ እቲ ፍሉይ ራፖርተር ዝገልጽ።