ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ሲያትልን ከባቢኣን መዓልቲ ነጻነት ሃገሮም ብ27 ግንቦት ኣኽቢሮም። ኣብ’ቲ ብይኣክል ሲያትል ኣብ ቮሊንቲር ፓርክ ዝተዳለወ መደብ ዕዉት ጽንብል ከካይዱ ምኽኣሎም እዉን ተፈሊጡ።
ተሳተፍቲ እቲ ጽንብል መደቦም ብሃገራዊ መዝሙርን ዝኽሪ ሰማእታትን ብምኽፋት ፣ ንመዓልቲ ናጽነትና ዘንጸባርቚ ስነጥበባዊ ስረሓትን ኣስተምሃርቲ መግለጺታትን ቀሪቦም።
ተሳተፍቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገር ብጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ተጨውዩ ዘሎ ናጽነትን ፣ ብዛዕባ’ቶም ብስም ናጽነት በቲ ጉጅለ ዝስረሓሎም ፕሮፖጋንዳታትን እዉን ዘትዮም።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ፣ ዘይከም’ቲ ኣብ ዳሳት ህግደፍ ዝንጸባረቚ ናይ ሓሶት ፈንጠዝያታት ፣ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ስያትል ኣብ ኤርትራ ተጨዉያ ንዘላ ነጻነት ብኸመይ ሓቀኛ ትርጉም ለቢሳ ብሓርነት እትጓዓዝ ሃገር ክዉንቲ ትኸዉን ተላዚቦም፣ ነዚ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምኩዋኑ ድማ ኩሎም ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ መንፈሶም ልዕሊ ካልእ እዋን ከበራትዑ ተላብዮምን።