ኣብ ሱዳን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ንምፍታሕ ቅልጡፍ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፡ ሱዳን ንዝተፈላለዩ ዝተነጸሉ ዞባታት ናይታ ሃገር ውሑስ መዕቆቢ ክትከውን ከምእትኽእል ምክትል ሓላፊ ኣገልግሎት ጸጥታን ሱዳን ዝነበረ ማጃክ ዲ’ኣጉት ኣጠንቂቁ ።
ሱዳን ናብ ስርዓት ኣልቦነት እንተምሪሓ፡ ካብ ቃዛ ክሳብ የመን፡ ሶማል፡ ሊብያ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ሳሕልን ሃገራት ትሕቲ ሰሃራም ብህውከት ዝተዋሕጠ ከባቢታት ክፍጠር ከምዝኽእል ዲ’ኣጉት ብተወሳኺ ኣጠንቂቑ።
ጂኦስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ሱዳን ኣብ ግምት ብምእታዉ ፡ ጸጥታዊ ምርግጋእ እታ ሃገር ንማሕበረሰብ ዓለም ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እዮም ተንተንቲ ፖለቲካ ዘረድኡ። ኣብ መላግቦ ዓረብን ኣፍሪቃን እትርከብ ሱዳን፡ ኣብ’ቲ ካብ ቀዳሞት መስመራት ዓለማዊ ንግዲ ዝኾነ ቀይሕ ባሕሪ 853 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ገማግም እትዉንን ኮይና ፣ ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ተፋሰስ ኒል ዘለዋ ገዚፍ ትሕዞ ንፖለቲካ-ማይ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብቐረባ እትጸሉ ሃገር እያ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ኣብ ዝርከብ ማእከል ኣመራርሓ ኣፍሪቃ ኪንግስ ኮሌጅ ከም ቪዚቲንግ ላዕለዋይ ተመራማሪ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ዲ’ኣጉት፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ኣህጉራዊ ክኸውን ዘለዎ ተኽእሎታት ዝዓበየ ምኻኑ ኣዘኻኺሩ ።
ንሱ ወሲኹ ፡ ገለ ካብ ሃገራት ምዕራብ ነዚ ግጭት ናብ ጥቅመን ንምውዓል ምስ ዕጡቃት ወገናት ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ኣብ መላእ ዞባታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሃገራት ሳሕልን ትሕተ-ሰሃራን ጽልዋ ንኽረኽቡ ክድግፉ ከምዝኽእላ ኣመልኪቱ። ዝተፈላለዩ ሓይልታት ምስቶም ተጋጨውቲ ወገናት ክስለፉ ከምዝኽእሉን እዚ ድማ ናብ ነቲ ዞባ ናብ ዘይውዳእ ኩናት ክሸሞ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቁ ።
ቅልዉላዉ ሱዳን በዚ ዝኸዶ ዘሎ ናህሪ ፣ ኣብታ ሃገር ካብቲ ኣብ ከም ሊብያን ሶርያን ዝተራእየ ዉድቀት ዝብእስ ኩነታት ከጋጥም ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ መጀምርያ ናይዚ ወርሒ ኣጠንቂቚ እዩ። እቲ ፖለቲከኛ ኣብ መጠንቀቕታኡ ፣ ዝራጸሙ ዘለዉ ሱዳናዉያን ወገናት ልዑል ቊጽሪ ብስርዓት ዝተዓለመ ሰራዊት ዝዉንኑ ብምዃኖም እቲ ግጭት ቅልጡፍ መግትኢ እንተዘይተጌርሉ ፣ ካብ ሱዳን ሓሊፉ ጠንቂ ዞባዊ ሕንፍሽፍሽ ኪኸዉን ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ እዩ ኣተሓሳሲቡ።
ሓይልታት ጀነራል ኣልቡርሃንን ጀነራል ሕመቲን ኣቲየሞ ዘለዉ ኲናት ነታ ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊን ባህላዊን ምትህልላኽ ዜጋታታ እትልለ ሱዳን፣ መምለሲ ናይ ዘይርከቦ ጥፍኣት ኪሸማ ከምዝኽእል ዘገንዘበ ዓብደላ ሓምዶክ፣ ማሕበረሰብ ዓልም ነዚ ነዊሕ መዘዝ ኪህልዎ ዝኾነ ኲናት ብኣጋኡ ደዉ ዝብለሉ ኣማራጺታት ከካዉን ተላብዩ ነይሩ።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ኣብ’ዚ ሻቡዓይ ሰሙኑ ኣቚጺሩ ዘሎ ግጭት ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት እኳ እንተኣተዉ፣ እቶም ስምምዓት ሻቡ ክጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት ዕለታዊ ኪዛይድን ምርኣይ ልሙድ ምህላዉ ይሕበር።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ፡ደገፍቲን ዘራያትን ኣዉሒሶም ኣብዚ ኲናት ናይ ኣነ ይሰማዕን ኣነ ይሕይልን መንፈስ ኪዉንኑ ይረኣዩ ብምህላዎም ፣ እቲ ጉዳይ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ይዂን ሓያላት ሸምግለቲ ፍታሕ ኪርከቦ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ትዓዘብቲ ይሕብሩ ።