ኩሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እንዳፈለጠ ኣብ ዳሳት ህግደፍ ክድብል ዝቐነየ ኤርትራዊ ነባሪ ስደት ፣ ድሮ ናብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ተመሊሱ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገሩ ፍታሕ ተሳኢንዎ ዘሎ ሕሰም ህዝቡ ብዉሽጢ ካብ ምምራር ከዕርፍ ከምዘይኮነ ወኪላት ኤሪሳት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሓቢሮም።
ንክልተ ሰሙን መመላእታ ኣብ ፍቐዶ ሃገራት ስደት ኪፍንጠዝ ዝጸንሐ፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብና ገና ዝሳቐየሉ ዘሎ ስሩቕ ናጸነት፣ ከም ዝመጾ ተዛዚሙ ሰብ ነናብ ናብራኡ ኣቢሉ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ወኪላት፣ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና መነባብሮኡ ካብቲ ዝነበሮ ዝብእስ ኮይኑ ኪቕጽል እምበር ዝኾነ ምምሕያሽ ክረኣየሉ ከምዘይኮነ የዘኻኽሩ።
ሃገር ማለት ህዝቢ እዩ ዝበሉ እቶም ወኪላት ፣ ሓደ ሲሶ ህዝባ ኣብ ስደት ኮይኑ ነጻነቱ ዝጽንብለላ ኤርትራ፡ ልኣላዊት እምበር ነጻነታት ህዝባ ዝተኣገደላ ሃገር ኮይና ምህላዋ ንምግማት ፍጹም ከምዘየጸግም የተሓሳስቡ። እቲ ኣብ ስደት ኮይኑ ዝሰክርን ዝድብልን ዘሎ ህዝቢ ብሓቂ ብዛዕባ ነጻነት ናይታ ዘይነብረላ ዘሎ ኤርትራ ድዩ ዝሑጎስ ዘሎስ፡ ወይ ካብ ጭቆና ህግደፍ ኣርሒቚ ብምስዳዱ እዩ ዝድሰት ዘሎ ንምፍላጥ ዝከኣል ኣይኮነን።
ኩሉ ኤርትራ ብኩሉዓይነታዊ መስዋእቱ ንዘምጽኦ ነጻነትን ልኣላዉነትን ሃገሩ ክጽንብልን ከኽብርን ዜግነታዊ ሓለፍነቱ ምዃኑ ፍሉጥ ኮይኑ፣ ነዚ ነጻነትን ልኣላዉነትን ምስ ኩሎም ሕድርታት ሰማእትና ሰሪቚ ንህዝብና ኣብ ዝተራቐቐ መግዛእቲ ዳጒኑ እታ ዝነኣሰት ነጻነት እኳ ከሊኡ ምስ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ኴንካ ዝጽንበል ናጽነት ግን ዝዓበየ ሃገራዊ ክድዓት ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።
ንኹሎም ዕላማታት ኤርትራዊ ገድሊ ቀቲሉ ሃገር መበል 32 ዓመታት ዘቤታዊ ጭቈናኣ ክትፈቅድ ጌሩ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ብፍጹም ንነጻነት ኤርትራ ክዉክል ከምዘይክእል ዘዘኻኸሩ እቶም ወኪላት፣ እቶም ንነጻነትን ልኣላዉነትን ኤርትራ ምስ ህግደፍ ብዘለካ ምድንጋጽ ጥራይ ዘዛምድዎ ወገናት ፣ መምለሲ ኣብ ዘይብሉ ጸቢብ ጎደና ይጓዓዙ ከምዘለዉ ኪፈልጡ ይግባእ ኢሎም።
ንልኣላዉነት፣ ነጻነትን ሓርነትን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ሓደጋ ሸሚሙ ንዘሎ ጉጅል ምድጋፍካ ዝግዘመካ ናይ ሓሶት ሃገራዉነት ጽባሕ ንግሆ ዋጋ ከኽፍለካ ከምዝኾነ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ ዘበሉ እቶም ወኪላት ኣብ መወዳእታ ፣ እቶም ንህግደፍ ስለዝደገፉ ሓለፋ ሃገራዉያን ኮይኑ ዝስምዖም ዘሎ ሕጂ ብ ኣብ ልዕሊ ሕሰምን መከራን ህዝቦም ዝድብሉ ዘለዉ ወገናት ጽባሕ ገዚፍ ዕዳ ክጽበዮም ምዃኑ ክርድኡ ይግባእ ኢሎም።