ንኤርትራ ኣብቲ ዝንህር ዘሎ ናይ መን ዓብለለ ሓድሽ ዓለማዊ ትፍንን ክልተ ደንበታት ግዳይ ንምግባራ ብመራሒ ጉጅለ ህግደፍ ተጀሚሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጸወታ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ናብ ቻይና ናይ 4 መዓልታት ዑደት ዝፈጸመ መራሒ ህግደፍ ሕጂዉን ንተመሳሳሊ ብዝሒ መዓልታት ዑደት ኣብ ሩስያ ኣትዩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣንጻር እቲ ሩስያ ኣብ ዩክሬን እትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስጒምትታት ዝቕጽል ዘሎ ኣህጉራዊ ኩነኔ ደዉ ብምባል ምስ’ታ ሃገር ዝወገነ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ናብ ሞስኮ ተዓዲሙ መለሳ ተገዛእነቱ ዝሓሸ ኣቀባብላ ኪግበረሉ ምዃኑ ብኣጋእኡ ዝተገመተ ኮይኑ፣ እቲ መገሻ ነቶም ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ቭላድሚር ፑቲንን ህግደፍን ብከዉሊ ክዕየየሎም ዝጸንሐ ምድግጋፋት ወግዓዉነት ዘልብስ ከምዝኸዉን እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘረድኡ።

ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ’ዉን ንኤርትራ ኣብ ማእከል’ቲ ናብ ዓለማዊ ኲናት ዝገማገም ዘሎ ምትፍናን ሃገራት ምዕራብን ምብራቕን ንምሽማማ ነቒሉ ከምዘሎ ፣ በቲ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ መሪጽዎ ዘሎ ሓድሽ ቅዲ ዲፕሎማሲ ድማ ኤርትራ ልዕሊ ካልእ እዋን ኣብ ዓይኒ ሃገራት ምዕራብ ኣትያ ግዳይ ዝተፈላለዩ መቕጻዕትታት ካብ ምዃን ከምዘይተዕርፍ እዩ ዝግመት ዘሎ።

መሬታዊ፣ ማያዊን ኣየራዊን ግዝኣት ኤርትራ ንዝኾነ ግዳማዊ ሓይሊ ኣይንጉንዕን ኢሉ ዓመታት ዝፈከረ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ካብ 2015 ቃሉ ብምዕጻፍ ነቲ ንዕጡቓት ሑቲ ንምድቓቕ ብሱዕድያን ኤማራትን ዝምራሕ ዝነበረ ልፍንቲ ሓይሊ ንከባቢታት ዓሰብ ኣካርዩ ምንባሩ ይርሳዕን።

ንግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራ ከም መዋገዪ ዕምሪ ስልጣኑ ኪጥቀመሉ ዝርአ መራሒ ህግደፍ ፣ ነዚ ሕጂ ምስ ኲናት ዩክሬን ጥርዙ ወኒኑ ዝርከብ ጸኒሕ ቊጠባዊን ወተሃደራዊን ትፍንን ሃገራት ምዕራብን ምብራቕን መዝሚዙ ፣ ካብቲ ካብ ኣመሪካን መሓዙታን ከይመጸኒ ኣይተርፍን እዩ ዝብሎ መቕጻዕቲ ንምርሓቕ ፡ንቊጠባዊን ወተሃደራዊን ጠለባት ሩስያን ቻይናን ብዘይሰገጥ ንምስሳይ ሓለፋ ቅሩብነት የርኢ ከምዘሎ ይፍለጥ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቻይና ዝተገብረሉ ፍሉይ ኣቀባብላ ፣ ነጸብራቕ ናይቲ እቲ መራሒ ንረብሓ ቻይናን መሓዙታን ንምሲሳይ ኣረጋጊጽዎ ዘሎ ቅሩብነት ከምዝኾነ ተሓቢሩ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ከም ዘይወግዓዊ ኣሳላጢ ዞባዊ ፖሊሲታት ሩስያን ቻይናን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተኸቲቡ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዝሓለፈ ወርሒ ኣቃሊዖም ነይሮም።

እቶም ምንጭታት ኣብ ሓበሬታኦም፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ብዉልቁን ብመንገዲ ልኡኻቱን ኣብ ሃገራት እዚ ዞባ ተጸሚድ ብጽሖታት ከሰላስል ፣ ሃገራት እቲ ዞባ ሓቢረን ኣብ ጸግዒ ሩስያን ቻይናን ደዉ ክብላ የኽእሉ እዮም ኣብ ዝበሃለሎም ቊጠባዊን ጸጥታዊን መዳያት ንምርዓመን ድማ ኪጽዕር ይርአ ከምዘሎ እዮም ኣረዲኦም።

ጉጅለ ግደፍ መለሳ ተማእዛዝነቱ ካብ ሩስያን ቻይናን ገዚፍ ቊጠባዊን ወተሃደራዊን መቚሽሽ ይሓፍስ ከምዘሎ ፣ መራሒ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ከጽንሖ ንዝኽእል ዝኾነ ዕድል ንምኽሳብ ንኤርትራን ነዚ ዞባን ናብ’ቲ ዓለማዊ ኲናት ከየኸትል ተሰጊእሉ ዘሎ ምትፍናን ደንበ ምዕራብን ደንበ ሩስያ-ቻይናን ኪሸሞም ስኽፍ ከምዘይብሎ እዩ ዝንገር።