መስርሕ ምርካብ ኣጽዋር ሓይልታት ትግራይ 85 ሚእታዊት ተዓሚሙ ከምዘሎ ፡ ንትግባሬ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ እትከታተል ዘላ ጉጅለ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣፍሊጣ።
እቲ ጉጅለ ነዚ ዝገለጸት፣ ኣብ’ቲ ኣብ ከባቢ ላጪ ናይ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተቓንዐ ተወሳኺ ምርኽካብ ብረት እዩ።
ከም ኣካል ትግባሬ ስምምዕ ሰላም ፕሮቶርያ ናይሮቢ ፣ ሓይልታት ትግራይ ብረቶም ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምርካብ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ መስርሕ ናብ ምዝዛሙ ይቃረብ ምህላዉ ተሪፉ ዘሎ ድማ ፣ መስርሓት ዳግመስርርዕን ምጥያስን ኣባላት ሓይልታት ትግራይ እዩ።
ጉጅለ ተቘጻጻሪት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከምዝሓበረቶ፣ ብረቶም ኣዉሪዶም ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ኣብ 10 ከባቢታት ናብ ዝተደኮና መጻንሒ ማእከላት ከምዝእከቡ ብምግባር ንምጥያሶም ወይዉን ዳግም ንምምዳቦም ዝከኣለሉ መስርሕ ካብ 26 ግንቦት ብወግዒ ተጀሚሩ ምህላዉ እዩ።
መስርሓት ዳግመስርርዕን ምጥያስን ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ከምቶም ኣብ መስርሕ ምዉራድ ብረት ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት ክረእኣየሎም ትጽቢት ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ኮይኑ ኣሎ። ቀዳማይ እግሪ ምርካብ ከበድቲ ብረት ዝሓለፈ 11 ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ወከልቲ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ከምኡ’ዉን ወከልቲ ናይቲ ንምፍታሕ ዕጥቂ ምክትታል ዝስርሑ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ከተማ ኣጉላዕ ከምተቓንዐ ዝዝከር ኮይኑ፣ ካብቲ እዋን ጀሚሩ እቲ ምርካብ ብረታት በብመድረዂ ይቕጽል ምህላዉ ይንገር።
ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝጸንሐ ኣጽዋር ናብ መንግስቲ ናይ ምርካብ መስርሕ ይቕጽል ምህላዉ፣ ትግባሬ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ብሓፈሻ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ዘሎ ምትእምማን ድማ ብፍላይ ርኡይ ምዕባሌ የመዝግብ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ።