ብመንጎኝነት ስዑዲን ኣመሪካን ብ20 ግንቦት ኣብ ሞንጎ ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ዝተኣትወ ናይ ሓደ ሰሙን ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ንተወሳኺ 5 መዓልታት ክናዋሕ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

እቲ ናይ ሰሙን ግዝያዊ ስምምዕ ብ29 ግንቦት እዩ መዓልቱ ኪኣክል ነይሩ። ንተውሳኺ መዓልታት ተናዊሑ ዘሎ ስምምዕ፡ ነቲ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ተጸበይቲ ንምብጻሕ ዝጉየየሉ ዘሎ መስርሕ ተወሳኺ ትንፋስ ዝሰኲዕ ምዃኑ ይንገር።

እቲ ናይ ሰሙን ስምምዕ ብተደጋጋሚ ኪጠሓስ እኳ እንተተራእየ ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ዛጊት ናብ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሱዳናዉያን ኪበጽሕ ከምዘኽኣለ እዮም ኣዉሓስቲ እቲ ስምምዕ ዘረድኡ።

እቲ ተናዊሑ ዘሎ ስምምዕ ፣ ክልቲኦም ሓይልታት ንልኣላዉነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን ዘለዎም ሓላፍነት፣ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ጅዳ ብ11 ግንቦት ዝኣተዉዎ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ከረጋግጹ ዝድርኽ ዉዕል ዘለዎም ተማኣዛዝነት ፣ እቲ ኲናት ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ርግኣት ሱዳን ከዉርዶ ብዛዕባ ዝኽል ዕንወት ዘለዎም ርድኢት፣ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢን ኩሉዓይነታዊ ሰብኣዊ መሰላቱን ንኽሕሎ ዘለዎም ቅሩብነትን ካልእን ብምንጻር ዝተረዳድእሉ እዩ።

ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ኣብ’ዚ ሻቡዓይ ሰሙኑ ኣቚጺሩ ዘሎ ግጭት ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት እኳ እንተኣተዉ፣ እቶም ስምምዓት ሻቡ ክጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት ዕለታዊ ኪዛይድን ምርኣይ ልሙድ ምህላዉ ይሕበር።

ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ፡ደገፍቲን ዘራያትን ኣዉሒሶም ኣብዚ ኲናት ናይ ኣነ ይሰማዕን ኣነ ይሕይልን መንፈስ ኪዉንኑ ይረኣዩ ብምህላዎም ፣ እቲ ጉዳይ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ይዂን ሓያላት ሸምግለቲ ፍታሕ ኪርከቦ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ትዓዘብቲ ይሕብሩ ።