ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ መሰረታዊ ጠለባትና ፍጹም ተረሲዑ ናይ ዝብል ህዝቢ ትግራይ ቊጽሪ ዕለታዊ ይዛይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ብፍላይ ኣብ’ቲ ዝጸንሐ ኲናት ሕድሕድ ዝሰንከሉ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ብመራሕቶም ይዂን ብግዝያዊ ምምሕዳር እታ ክልል ፍጹም ተረሲዖም ከምዘለዉ የማርሩ ።
እቲ ህዝባዊ መረረ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዛየደ ይመጽ ከምዘሎ ኪሕበር ጸኒሑ እዩ ። ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ፣ኣብ ትግራይ ናይ መግቢ ረድኤት ብሰንኪ ምቁራጹ ናይ ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ቊጽሪ ይውስኽ ኣሎ ።
ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣቶ ተኽላይ ገብረመድህን ንኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 270 ሰባት ብድርቂ ከምዝሞቱ ገሊጹ ። ኣብ ከተማ ሽረ፣ ሽራሮ፣ ኣስገደ፣ እንዳባጉና፣ ዓዲ ዳዕሮ ካብ ዝርከባ ማእከላት ናይ ተመዛበልቲ ኣስታት 100 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ፣ ዝተረፉ ቁጽሪ ሙውታት ድማ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ከምዝተመዝገበ ኣቶ ተኽላይ ይሕብር።
“ነገራት ካብ ቅድሚ ሕጂ እናገደዱ ይኸዱ ኣለዉ፡ ሰባት መዓልታዊ ይሞቱ ኣለዉ” ክብል ዝገለጸ ኣቶ ተኽላይ፡ ኣብ እንዳባጉና ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓደሽቲ ዝመጹ ተመዛበልቲ ከምዘለዉን ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ከም ዘድልዮምን ኣመልኪቱ።
ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከባቢታት ኢሮብን ሓውዜንን ኣስታት 15 ሰባት ብድርቂ ክሞቱ እንከለዉ ፣ ካብዚኦም እቶም ክልተ ህጻናት ምዃኖም ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ናይ እቲ ዞባ ገሊጹ።
ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣስታት 250 ሽሕ ተመዛበልትን 1.3 ሚልዮን ነበርቲ ከምዘለዉ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ድማ ፍርቂ ሚልዮን ተመዛበልትን ሓደ ሚልዮን ነበርትን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ሰብመዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብዕለት 03 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ትግራይ ምዕዳል መግቢ ደው ኣቢሉዎ ኣሎ፡ እዚ ድማ ውድብ መግቢ ዓለም ኣገዳሲ ሓገዝ ናብቶም ክቕበልዎ ዝሓሰቦም ሰባት ከም ዝበጽሕ ክሳብ ዘረጋግጽ ዳግማይ ከምዘይጅሚር ገሊጹ ኣሎ ። ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ልምዓት ኣሜሪካ እውን “ኩሉ ብUSAID ዝድገፍ ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ሓገዝ መግቢ ክሳብ ተወሳኺ ሓበረታ ዘውጽእ ደው ከብሎ ከምዝወሰነ ገሊጹ እዩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ ኣብታ ክልል ሳዕሪሩ ንዝተባህለ ስርቂን ምጥፍፋእን ሰብኣዊ ረድኢት እትምርምር ጉጅለ ከምዘጣየሰ ዝፍለጥ ኮይኑ ፣ ዛጊት ኣብ ባይታ ዝመጸ ምምሕያሽ ወይ ዝተረኽበ ዉጽኢት የለን።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቲ ኣካላትን ንዝመጽእ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምምቕራሕ ሓላፍነት ሒዙ ዘሎ ኮይኑ ፣ ኣብ’ቲ 5 ሚልዮን ህዝባ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኢት ኮይኑ ዝርከብ ክልል ትግራይ ሳዕሪሩ ዝበሃል ዘሎ ስርቂ ረዲኤት ተመርሚሩ ፍታሕ ክሳዕ ዝርከብ ናብ ትግራይ ዘምርሖ ረድኤት ከወንዝፎ ተገዲዱ ከምዘሎ እዩ ገሊጹ።