ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ኣብ ከተማ ጂዳ ናይ ሱዕድያ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ጻዕሪታት ዘተ ሰላም ኢዱ ብምስሓቡ ወተሃደራዊ ቅልዉላዉ እታ ሃገር ናብ ዝበእኣሰ ሸነኽ ከየምርሕ ተሰጊኡ።
እቲ ኣብ ከተማ ጂዳ ክቕጽል ዝጸንሐ ዝርርብ ነቲ ብ20 ግንቦት ዝተኣትወ ናይ ሰሙን ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ንተወሳኺ 5 መዓልታት ኪቕጽል ዘኽኣለ ኮይኑ ፣ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ጽምዶ ኢዱ ከምዝስሓበ ምግላጹ ንብዙሓት ወገናት ኣሻቒሉ ኣሎ።
ሰራዊት መንግስቲ ካብቲ ጽምዶ ዝሰሓበሉ ቀንዲ ምኽንያት ኪገልጽ እንከሎ ፣ ብወገን ዳዕመል ኣልሰሪዕ ኣብ ትግባሬ ናይቶም ክብጽሑ ዝጸንሑ ስምምዓት ቀጻሊ ሸልለትነት ሰሪቱ ኣሎ ዝብልዩ።
ወሃቢቃል ሰራዊት ሱዳን ብርጋዴር ነቢል ዓብደላ ንኣሶሼትድ ፕረዝ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሓይልታት ሓመቲ ነቶም ክብጽሑ ዝጸንሑ ስምምዓት ቀጻሊ ይጥሕሱን ፣ ሲቪላዊ ዕላማታት ምዉራርን ምርሳይን ይቕጽሉን ብምህላዎም እቲ ኣብ ጂዳ ዝድከመሉ ዘሎ ጻዕርታት ዘተ ትርጉም ከምዝተሳእኖ የረድእ።
ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ብወገኖም ተመሳሳሊ ክሲ ብምስማዕ፣ ሰራዊት ሱዳን ብዘይቀይዲ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከቃንዕ ስለዝደለየ እዩ ምስምሳት ብምፍጣር ካብ ስምምዓት ምቊራጽ ተጻብኦ ዝሃድም ዘሎ ይብሉ።
ሰራዊት ሱዳን ካብ’ቲ ዝርርባት ሰላም ኢዱ ምስሓቡ ንዝኸይድ ዘሎ ጻዕሪ ተስፋ ከየቚርጽን ካልኦት ኣማራጺታት ሰላም ሃሰዉ ኣብ ምባል ምስልቻዋት ከይርአን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተማሕጺኑ ኣሎ።
እቲ ዛጊት ብተደጋጋሚ ዚጠሓሱ ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት ምቊራጽ ተጻብኦ ክእተወሉ ዝጸንሐ ኲናት፣ ንከባቢ 1.4 ሚልዮን ሰላማዊ ህዝቢ ካብ ቤትንብረቱ ኣመዛቢሉ ፣ ንከባቢ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት 25 ሚልዮን ሰባት ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ገይሩ ከምዘሎ ይንገር።
ቤት-ጽሕፈት ምዉሂሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሓበሮ እዉን፣ ልዕሊ ፍርቂ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሱዳን ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኢት ከምዘድሊዮን ፣ ነዚ ንምምላእ ልዕሊ 2.5 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልን ካብ ምምሕጻን ኣየዕረፈን። ዝተፈላለያ ሃገራት ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ፖርት ሱዳን የራግፋ እኳ እንተለዋ፣ ዝመጽእ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጠለብ ፍጹም ከምዘይራኸብ እዩ እቲ ቤትጽሕፈት ዘብርህ።
ብስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ተመንግዩ ኣብ ጂዳ ዚጸዓረሉ ዘሎ ዘተ ሰላም ደሓን ዉጽኢት ኣመዝጊቡ ክልቲኦም ወገናት ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ቀዳምነት ኪህቡ ኣብ ስምምዕ በጺሖም እንዳተባህለ ፣ ኣብ ሓያለ ከባቢታት ማእከላይ ሱዳን ግጭት ይቕጽል ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።
ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፣ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዝነበርታ ካርቱም በቲ ኲናት ሓለፋ ተጸልያ ዘላ ኮይና፣ ንዝበዝሐ ክፋል ተፈናቐልቲ እታ ሃገር ወኪላ ከምዘላ የነጽር።