ኣብ ከተማ ኣዲሳኣበባ ኣብ ዘሎ ቤትጽሕፈት ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ማለት ARRA ተቘጺሮም ጸገም ኣሕዋቶም ዘጋድዱ ዘለዉ ገለ ኤርትራዉያን ፣ ገና ካብ ጌጋኦም ከምዘይተኣረሙ ተሓቢሩ።
እቶም ወገናት ካብ ጌጋኦም ተኣሪሞም ጸግዒ ኣሕዋቶም ክኾኑ ብተደጋጋሚ ንዝመጾም ዘሎ ጻዉዒት ዕሽሽ ብምባል፣ ግዜ ዘይቅየር እንዳመሰሎም በደላቶም የዛይዱ ከምዘለዉ እዩ እቲ ዝበጽሕና ሓበሬታ ዘረድ።ብዘይካ’ቲ ARRA ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ብቐጻሊ ዘርእዮ ምጒናይ ናይቶም ኤርትራዉያን ሰራሕተኛታት ተግባራት እዉን ነቲ ኩነታት የብእሶ ከምዘሎ ተገሊጹ እዩ።
ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣሕዋቶም ካብ’ቲ ቤትጽሕፈት ዝጠልብዎ ዝተፈላለየ ሰነዳዊ ደገፍ ኣብ ግዜኡ ከይሰልጦም ዕንቅፋታት ይፈጥሩ ከምዘለዉ ዝንገረሎም እቶም ሰራሕተኛታት ፣ ብፍላይ እቶም መገሻ ዝቐረቦም ወገናትና ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዝርከቡ ይንገር።
ናይ ዳግመሰፈራ መስርሖም ልዕሊ ልክዑ ግዜ ዝወስድ ናይ ዘሎ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዝሒ ይዛይድ ምህላዉ ክሕበር ዝጸንሐ ኮይኑ ፣ ሕልናኦም ቀቲሎም ኣንጻር ረብሓ ኣሕዋቶም ዝሰርሑ ዘለዉ ገለ ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈት ARRA ቀንዲ ጠንቂ እቲ ኣሻቓሊ ተርእዮ ኮይኖም ይርከቡ።
ገለ ካብቶም ሰራሕተኛታት ምስ ህግደፍ ዝቃረቡ ምዃኖም ወሲኾም ዘረድኡ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ፣ ARRA ነዚ ተገንዚቡ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ዘሎ ኣሰራርሓ ከጽሪ ካብ ኣብ ስደት ዘሎ ደላዪ ፍትሒ ጻዉዒትን ጸቕጥን ክዛይድ ኣገዳሲ ምዃኑ ብቐጻሊ የዘኻኽሩ ኣለዉ።
ህግደፍ ምስ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተላ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተራቐቐ ዝምድናታት እንዳፈጠረ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ግዳይ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ በደላት ኮይኖም ዓቕሎም ከጽብቡን ናብ ካልኦት ሃገራት እዚ ዞባ ከርሕቚን ይሰርሕ ምህላዉ ኣይርሳዕን።