ህግደፍ ንከባቢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣሲርዎም ዝጸንሐ 166 የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ሃገሮም መሊሱ። እቶም ናብ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ሰሊኾም ብዝብል ምስምስ ተኣሲሮም ዝጸንሑ የመናዉያን ብ31 ግንቦት ኪግዕዙ ከምተገብረ ማዕከናት ዜና የመን ይሕብራ።

ገለ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ የመናዉያን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ፣ ሚኢቲ ዝኾኑ ካልኦት የመናዉያን ገና ኣብ ኢድ ህግደፍ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ጠቒሶም ፣ ብሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምኽኣሎም ሩፍታ’ኳ እንተተሰመዖም ጀላቡኦምን ንብረቶምን ግን ብህግደፍ ከምተመንዝዑ ኣይሓብኡን።

ማያዊ ግዝኣት ጥሒስኩም ተባሂሎም ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ኤርትራ ክቕየዱ ናይ ዝጸንሑ የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ቊጽሪ ክዛይድ ምጽንሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት፡ ማሕበራት ገፈፍቲ ዓሳ የመን ናብ መራሕቲ ህግደፍን፡ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ኤርትራን ብቐጻሊ ክጠርዓ ከምዝረኣያ የረድኡ።

ኤርትራ፡ ብጉዳይ እኩባት ደሴታት ሓኒሽ ኣብ 1995 ምስ የመን ዝኣተወቶ ወተሃደራዊ ጎነጽ ብብይን ሸምጋሊ ኣካል ድሕሪ ምዕራፉ፡ ህግደፍ ናብ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ኣትዮም ኣብ ልዕሊ ዝብሎም የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ቀጻሊ ቀይዲ ካብ ምግባር ከምዘየቋረጸ እዩ ዝሕበር።

ንጉዳይ እቶም ንማያዊ ግዝኣታት ኤርትራን የመንን ኣብ ዘዳውቡ ከባቢታት ዝነጥፉ የመናውያንን ኤርትራውያንን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝምልከት ኣስራሒ ባይታ ንኽርከብ ብሰብመዚ የመን ብተደጋጋሚ ኽጽዋዕ ምጽንሑ ዝግለጽ ኾይኑ ፡ እቲ ጻውዒት ብወገን’ቲ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሃወኽ ፖሊሲታት መሪጹ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ተቐባልነት ብምስኣኑ፡ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝነጥፉ ዜጋታት ክልትኤን ሃገራት ዕለታዊ ናብራኦም ንምኩዋን ኽጻገሙ ይረኣዩ ምህላዎም ይግለጽ።

ካብ ስዑዲያን ሕቡራት ኤማራት ዓረብን ኪንዮ ገንዘባዉን ጸዓታዉን ሓገዛት፡ ናይ ኣጽዋር ግንዖ’ውን ኣዉሒሱ ምንባሩ ዝንገረሉ ህግደፍ ፥ ነቶም ኣብ ሃገሮም ብዝተፈጥረ ጸጥታዊ ዉድቀት ተዳፊኦም ናብ ማያዊ ገማግም ኤርትራ ዘምርሑ ዝነበሩ የመናውያን ስደተኛታት፡ “ኣባላት ዕጡቕ ምንቅስቓስ ሑቲን” “ዘይሕጋውያን ገፈፍቲ ዓሳን” እዮም ኢሉ እንዳቐየደ፡ ኣብ ምርግጋእ እቲ ማያዊ ከባቢ ግቡእ ተራ ይጻወት ከምዘሎ ብምውሳእ፡ ካብ ስዑዲያን ሕቡራት ኤማራትን ተወሳኺ ሞሳ ይቕበል ምንባሩ እዉን ብተደጋጋሚ ተሓቢሩ እዩ።

ህግደፍ ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣብ ልዕሊ የመናዊ ምንቅስቓስ ሑቲ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ወፍሪ መጋበርያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኢሉ ንዓመታት ኣሲርዎም ዝጸንሐ ዓሰረተታት የመናዉያን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሃገሮም ከምዘፋነዎም ይዝከር። እቶም ንከባቢ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ደሴት ዳህላክ ተኣሲሮም ጸኒሖም ዝተባህሉ የመናዉያን ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ተፋንዮም ናብ ከተማ ዓደን ከምዝኣተዉ ኣይርሳዕን።