ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት እታ ክልልን ብረታዊ ግጭት ከምዘየዕረፈ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይሕብሩ ኣለዉ። እዚ ዝተሓበረ፣ ኣብ ምብራቓዊ ጎጅም ኣብ እትርከብ ገዳም ደብረ-ኦልያስ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸስተ ግጭት ዛጊት ይቕጽል ከምዘሎ ድሕሪ ምርግጋጹ እዩ።
ገለ ዕጡቓት ኣሃዱታት ኣምሓራ ኣብቲ ደብሪ ዓሪዶም መሳርዖም ከደላድሉ ብምምራጾም ነቶም ወገናት ንምእላይ ብሰራዊት መንግስቲ ዝጀመረ ወፍሪ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ ፣ ብኣቦታት እቲ ደብሪ ዝተወስደ ናይ ምሽምጋል ፈተነ እዉን ዛጊት ከምዘይሰለጠ ይሕበር።
በቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኣብቲ ኣስታት 600 ዝነበረታ ደብሪ ሓያለ ሰባት ቈሲሎምን ተመዛቢሎምን ከምዘለዉ ፣ ልዕሊ 200 ሰራዊት መንግስቲ እዉን መጉዳእቲ በጺሕዎም ኣብቲ ከባቢ ኣብ እትርከብ ማእከል ጥዕና ሕክምናዊ ረድኤት ይርኽቡ ምህላዉ እያ ማዕከን ዜና ዶቸቬለ ንናይ ዓይኒመሰኻኽር ብምጥቃስ ጸብጺባ።
መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ህወሓት ኽደናገጽ ካብ ዝጅምር ዘይተዋሕጠሎም ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ፣ ብፍላይ ንምድቓቕ መሳርዕ ፍሉይ ሓይሊ ኩለን ክልላት ኣመልኪቱ ድሕሪ ዝጀመረ መሰርሕ ፣ ዝተወደበን ዘይተወደበን ተቛውሞታት የርእዩ ምህላዎም ይፍለጥ።
እቲ ተቛዉሞ ብኣብ ዉሽጢን ግዳምን ዝነጥፋ ፖለቲካዉያን ዉድባት፣ በርጌሳዉያን ማሕበራት፣ ሚድያታትን ማሕበረኮማትን ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ኪድገፍን ኪምእዘንን ይርአ ብምህላዉ ድማ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ከቢድ ስግኣት ተሸሚሙ ንምግታኡ ዘሎ ኣመራጺታት ካብ ምዉሳድ ኣይቦኸረን።
ኣብ’ታ ክልል ዘይምርግጋእ ንምስፋን ሽበራዊ ወፍሪ ወጢንኩም ብዝብል ክሲ ናይ ዝእሰሩ ጋዜጠኛታት፣ ፖለቲከኛታት፣ ሰብ ሃብቲን ምሁራትን ዕለታዊ ይዛይድ ከምዘሎ ይንገር።
ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ክፍልታት ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክልል ኣምሓር ጥሩፋዊ ሽበራ የራብሑ ኣለዉ ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ወገናት ካብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ኣራሚ ስጉምቲ ክወስድ ምጅማሩ ይፍለጥ።
ንሕገመንግስቲን ክልላዊ ምሕደራን እታ ክልል ጨዉዮም ሓይሊ ንምምንዛዕ ኣብ ልዕሊ ዝጓየዩ ዘለዉ ወገናት ብስም ህዝቢ ኣምሓራ ንፍሽፍሽ ንምፍጣር ዘካይድዎ ዘለዉ ሽርሒ ኣደብ ንምትሓዝ ክስራሕ ተጀሚሩ ከምዘሎ እዩ እቲ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያ፣ ሓይልታት ምክልኻል፣ ከምኡ’ዉን ፈደራል ፖሊስ ዘካተት ሓይሊ ዕማም ዘተሓሳስብ።
እቲ ንፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ መሳርዕ ፈደራላዊ ፖሊስን ሰራዊትን ኣግዒዝካ ንምምእካለን ዝተወጠነ መደብ ብዘይካ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኩለን ክልላት ብዘይዕንቅፋት ምስልሳሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተራእየ ህዝባዊን ብረታዊን ተቛዉሞ እዉን ብከፊሉ መግትኢ ተገይርሉ እቲ ውጥን ኣብ መስርሕ ከምዘሎ እዩ ክዝረብ ጸኒሑ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ክልል ኣምሓራ ዚሕይሎ ዘሎ ተቛውሞ ንምግታእ ተረርቲ ምኽኒታት ከስምር ጀሚሩ ምህላዉ ተገሊጹ እዩ። ኣብ ክልል ኣምሓራን ከተማ ኣዲስኣበባን ዝመደበሮም ፖለቲካዉያንን በርገሳዉያንን ተንቀሳቐስቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣንን ትካላትን መንግስቲ ሽበራዊ ስጉምትታት ከቃንዑ መዲቦም ዝብል ምኽንያት ድማ ሓደ ካብኡ ኮይኑ ዘሎ’ዩ።
ኣብ ምዝዛም ወርሒ ሚያዝያ ዘጋጠመ ቅትለት ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ፣ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት እታ ክልልን ፈደራላዊ መንግስቲን ብጉዳይ ዳግመ ስርርዕ ፍሉያት ሓይልታት ዝርአ ዘሎ ምትፍናን ናብ ዝበኣሰ ሸነኹ ኣዕሪግዎ ምህላዉ ኣይርሳዕን።
ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ስልጣን ዝተወሰደ ብረታዊ ስጒምቲ በቶም ንምኽታም ፍሉይ ሓይሊ እታ ክልል ዝቋወሙ ገለ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተቓንዐ ኪኸዉን ይኽል እዩ ዝብሉ ወገናት ፣ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ እዉን ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝሕይል ዘሎ ህዝባዊ ምዕዝምዛማት ንምቚጻይ ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ክወስድ ምኽኒት ንምርካብ ነቲ ቅትለት ፈጺምዎ ከይከዉን ስክፍታ ከምዘለዎም እዮም ዝግምቱ።