ኣብ ክፍሊ ተረዠሪ ኣመሪካ ቤት-ጽሕፈት ምቊጽጻር ርእሰ-ማል ሰብ ስግር-ባሕሪ ፡ ምስ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ይቃረባን በብወገነን ዝደጋገፋን ኣለዋ ኣብ ልዕሊ ዝበለን 4 ኩባንያታት ሱዳን ተረርቲ እገዳታት ኣሕሊፉ።

እተን ኣርባዕተ ኩባንያታት ነቲ ኣብ ሱዳን ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኪጋደድ ፊናንሳዊ ውሕስነት ይህባ ኣለዋ ብዝብል እዩ ምምሕዳር ዋሺንግተን እገዳ ኣሕሊፉ ዘሎ።

ክልተ ካብተን ኩባንያታት ማለት ኣልጁናይድ ማልቲ ኣክቲቪቲ ካምፓኒ ከምኡ’ዉን ትራዲቭ ሓፈሻዊ ንግዲ ምስ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ዝቃረባ ኾይነን ፣ ዲፈንስ ኢንዳስትሪስ ሲስተምን ሱዳን ማስተር ቴክኖሎጂን ዝተባህላ ክልተ ካልኦት ኩባንያታት ድማ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ብዘለወን ምቅርራብ እየን ነቲ እገዳ በቒዐን ዘለዋ።

እቲ ተወሲዱ ዘሎ እገዳ ፣ ናብ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ይኹን ሰራዊት ሱዳን ዘምርሕ ፊናንሳዊ ደገፋት ኮሊፍካ እቶም ወገናት ንደሞዝ ሰራዊቶምን፡ ሸመተን ኣጽዋርን ካልኦት ቀረባትን ተጻጊሞም ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ኪቃረቡ ንምድፋኦም ዝዓለመ ምዃኑ እዮም ስብስልጣን ኣመሪካ ዝሕብሩ ዘለዉ።
መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ እገዳ ወግዓዊ ዝገብር ዘሎ ፣ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ኣብ ጂዳ ዝጸዓረሉ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ከምዝሰሓበ ድሕሪ ምፍላጡ እዩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንሸፈነ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ጸኒዖም ዝጸንሑ እገዳታት ብምስፋሕ ፣ ዝኾነ ንምርግጋእን ደሞክራስያዊ ስግግርን ሱዳን ኣብ ዝጻባእ ተግባር ዝወፈረ ዉልቀሰብ ይኹን ወገን ተወሳኺ እገዳ ኪጸንዕ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ትእዛዝ ምትሕልላፉ ኣይርሳዕን።

ኣብ ልዕሊ ሱዳን ሓሊፎም ንዝጸንሑ ክልተ ፕረዚደንታዊ ዉሳኔታት ኣመሪካ ንምድልዳሎም ዝወሰነ ጆ ባይደን ፣ ኣብ’ቲ ብ4 ግንቦት ዝኸተሞ ሓድሽ ትእዛዝ፣ እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ልዕሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝተኻየደ ዕልዋን ሕጂ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ዝተወልዐ ሓድሽ ግጭትን ንሃገራዊ ድሕነትን ፖሊሲታት ወጻኢን ኣመሪካ ኣብ ሓደጋ ዘውድቚ ተግባራት ከምዝኾኑ ብምጥቃስ ፣ ኣብ ምብትታን ሱዳንን ምዕንቃጽ ደሞክራስያዊ ስግግር እታ ሃገርን ዝነጥፍ ኣካል ካብ መቕጻዕቲ ኣመሪካ ከርሕቕ ከምዘይኮነ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

እቲ ሓድሽ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፣ ነቶም ኣብ ልዕሊ ንብረት መንግስቲ ሱዳን፣ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ሱዳን፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ልዕሊ ንብረትን ገንዘብን’ቶም ምስ ኲናት ዳርፉር ምትእስሳር ዘለዎም ወገናት ጸኒዖም ዝጸንሑ ክልተ እገዳታት ዘስፍሕ እዩ።

ሓድሽ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ኣመሪካ፣ ኣብ ጸጥታ፣ ሰላም፣ ድሕነትን መስርሕ ምስግጋር ናብ ሲቪላዊ ስርዓትን ሱዳን ኣብ ዝዕንቅፉ ተግባራት ዝሳተፉ ሱዳናዉያን ይኹኑ ካልኦት ዉልቀሰባትን ሓይልታትን ተወሰኽቲ ተረርቲ መቕጻዕትታት ክጸንዑ ዝሕልን እዩ።

እዋናዊ ትእዛዛት እገዳ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብቐንዱ ነቶም ኣብ ናይ ሕጂ ኲናት ሱዳን ኢዶም ዝጽንብሩ ዘለዉ ግዳማዉያን ኣካላት ንምጽላዉ ከምዝኾነ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፣ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ምስ ሩስያዊ ተዓሳቢ ጉጅለ ዋግነር ከይጻግዑ መጠንቀቕታ ምሃቡ የዘኻኽሩ።

ኣመሪካ እቲ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ኣብ ሓጺር እዋን ደዉ ክብል ከምዘይመስል እያ ትግምት። ዳይረክተር CIA ኣቭሪል ሃይነስ ንሓንቲ ካብ ኮሚተታት ሰኔት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ካብ ግዳማዉያን ሓይልታት ሓገዝ የናድዩ ብምህላዎም እቲ ኲናት ንንዉሕ ዝበለ እዋን ክቕጽል ከምዝኾነ ኣተንቢሃ እያ።