ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛትት ፣ “ብመንገዲ ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ናብ ኤውሮጳ ንምእታዉ ዘኽእል ውሕስ መንገዲ ኣሎ” ብዝብል ናይ ሓሶት ወረ ቀጻሊ እንዳተደናገሩ ገና ንጉልበታዊን ገንዘባዊን ምዝመዛ ነጋዶ ደቅ-ሰብ ይቃልዑ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ’ዉን ኣብ’ታ ስርዓት ኣልቦነት ሰሪቱላ ዘላ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት፡ በቲ ናይ ሓሶት ወረ ተዳፊኦም ልዑል መጠን ገንዘብ ብምውጻእ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ይውስኑ ምህላዎም፣ ሊብያ ኣብ ዝበጽሕሉ ድማ ሻቡ ንመጭወይቲን ማእሰርቲን ተቓሊዖም – ንመልቀቒኦም ከምእንደገና ዝተዓጻጸፈ መጠን ገንዘብ ኪኸፍሉ ይግደዱ ኣለዉ።

ሃገራት ኤውሮጳ ሓደስቲ ስደተኛታት ከይቀርቡወን ይሰርሓ ከምዘለዋ፣ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ጉዕዞ ንዝረኣይዋ ናይ ስደተኛታት ጃልባ ሒዞም ንምምላስ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ከምዝርከቡ ፣ ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ መስመር ጉዕዞ ኣብ ሓደጋ ንዝወድቊ ስደተኛታት ዘድሕና መራክብ ንጥፈታተን ተቀይዱ ከምዘሎ እንዳተፈልጠ፣ እቲ ብመንገዲ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ውሑስ መንገዲ ኣሎ ዝብል ዘረባታት ነጋዶ ደቂ-ሰብ ሓቂ ኪኸዉን ኣይክእልን።

ገለ ብደላሎ ተደናጊሮም ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናብ ሊብያ ዝብገሱ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ፣ ናብ ሊብያ ብሰላም ከምዛኣተዉ ንመሓዙቶምን መቕርቦምን ኣንተስዲዖም ዝኽፍልዎ ገንዘብ ኺጎድለሎም ከምዝኾነ ስለዝንገሮም እዉን፡ እቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንሓያለ መደብ ዘይነበሮም ስደተኛታት ናብ ሓደጋ ይደፍእ ምህላዉ ይንገር።

ኣብ ሊብያ ፣ ሓያለ ኤርትራዉያን ዝርከብዎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ’ታ ብጸጥታዊ ውድቀት ተሰኒፋ ዘላ ሃገር መውጻኢ ስኢኖም ፡ ኣብ መጻንሒ ማእከላትን መዳጎኒ መዓስከራትን ይሳቐዩ እንዳሃለዉ፣ ሕጂ ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ሊብያ ዝሕሰብ ጉዕዞ ካብ ነብሰ-ቅትለት ፈሊኻ ዘይርአ ስጒምቲ ከምዝኾነ ኣዉን ሓያለ ኤርትራውያን ተሓለቕቲ ስደተኛታት ብቐጻሊ የተሓሳስቡ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ኣሽሓት ኣብ ሊብያ ዝተዓግቱ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ፣ ናብ ዝሓሸ ጸጥታ ዘለወን ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ኺግዕዙ ንትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕለታዊ ይምሕጸኑ ምህላዎም ይፍለጥ።

ኣብ ሊብያ ንኩሉዓይነታዊ ሓደጋታት ተቃሊዖም ዝርከቡ ወገናትና ረዳኢ ክረኽቡ ቀጻሊ ዘመተታት ምግባርን፡ ድምጺ እቶም ወገናትና ምዃንን ሓልፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ከምዝኾነ፣ ብፍላይ ንድሕነት ስደተኛታት ብመሪሕነት ኣብ ልዕሊ ዝሰርሓ ኣህጉራዉያንን ዞባዉያንን ትካላት ዝግበር ቀጻሊ ጻዉዒት ጸገም እቶም ስደተኛታት ወገናትና ኣብ ምፍታሕ ዘይነዓቕ ጽልዋ ኪህልዎ ከምዝኽእል እዮም እቶም ኤርትራዉያን ተሓለቕቲ ብቐጻሊ ዝመኽሩ።