ካብ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኪዛይድ ብዝጸንሐ ጥርዓናት ተደሪኹ መጽናዕቲ ከካይድ ዝሓገየ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ከተማታት እታ ሃገርን፡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዘይሕጊ ክእሰሩን መሰላቶም ኪግፈፍን ምርኣይ ይልመድ ከምዘሎ ጸብጺቡ።

እቲ ኮሚሽን ብዓርቢ 2 ሰነ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ኣብ ገለ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ናይ ስደተኛ ሰነድ ከምኡ’ውን ፍቓድ ነባርነት የብልኩምን ተባሂሎም ዝተኣስሩ ኤርትራዉያን ፣ ናብ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ንዉሕ ዝበለ መዓልታት ይቕየዱ ምህላዎም ምዕዛቡ ይጠቅስ።

ንድሕነት ስደተኛታት ኪጽዕታ ዝግበአን መንግስታዉያን ይዂና ኣህጉራዉያን ኣካላት ፣ ማለት ከም ARRAን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ፣ ሰነዳዊ ውሕስነት ስደተኛታት ኣብ ምኩዋን ርኡይ ምምሕዳራዊ ድኻማት የመዝግባ ከምዘለዋ ዝጠቐሰ እቲ ኮሚሽን፣ ከምሳዕቤኑ ሓያለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ግቡእ ወረቃቕቲ ስኢኖም ግዳይ ዘይተደልየ ማእሰርቲን በደልን ይኾኑ ከምዘለዉ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ብህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ኣጠማምታ ይዛይድ ከምዘሎ ፣ ስለዝኾነ ድማ እቶም ኤርትራዉያን ኣብ ምንቅስቓሳቶም ጥንቃቐታት ከቐድሙን ንሕግታት እታ ሃገር ብምኽባር ፍኑው ካብ ዝኾነ ኣካይዳታት ኪቚጠቡን ከምዘለዎም ብሓያለ ወገናት ጻዉዒታት ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።

ገለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ናይ መን ከይትንክንፈና መንፈስ ኣጥርዮም፡ ንምስሊን ድሕነትን ናይ ዝበዝሐ ወገን ኣብ ሓደጋ ዘውድቚ ንጥፈታት ከተግብሩ ይደፍሩ ከምዘለዉ ፣ ብተዘዋዋሪ መንጊ ድማ ህዝቢ ኣዲስኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዝጸንሖ ኣኽብሮት ንኽሃስስ ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ ምህላዎም ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።

መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኤርትራን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ መሪሕነትን ዝጸንሖ ኣጠማምታ ብዉሽጢ ዉሽጢ ኣሉታዊ መልክዕ ይሕዝ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቕመጡ ኤርትራዉያን ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዮም ኣብ ምንቅስቓሶቶም ጥንቃቐ ከቐድሙ ኣገዳሲ እዩ።

ብዙሓት ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ ፡ ኩነታት ከምቲ ኣብ እዋን ምዉቕ ምሕዝነት ኣቢይን መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ዝነበሮ ከይተቐየረ ይቕጽል ይመስሎም ምህላዉ እዩ ዝንገር። እንተኾነ፣ እቶም ኤርትራዉያን ካብዚ ርድኢት እዚ ግልል ኢሎም ብጥንቃቐ ክናበሩ የድሊዮም ኣሎ።

ህግደፍ ንህዝቢ ክልል ኣምሓራ ይደጋገፍ ስለዘሎ፣ እቲ ምስ ህዝቢ እታ ክልል ኣብ ምትፍናን ዝርከብ ፈደራላዊ መንግስቲ ንኤርትራዉያን ዜጋታት ከም ስግኣት ክጥምቶም ልዑል ተኽኣሎ ምህላዉ ዘዘኻኸሩ ጸብጻባት እዉን፣ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነዚ ኣስጋኢ ተኽእሎ ተወሳኺ ምኽንያት ኪኾኑ ኣብ ዘኽእሉ ምንቅስቓሳት ከርሕቑ ኪመኽሩ ጸኒሖም እዮም።

ብዘይካ’ዚ ፣ ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ንንግዳዊ ንጥፈታት እታ ከተማ ኣብ ሓጺር እዋን ክዕብልልዎ ከምእተራእዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ በቲ ጉዳይ ፈደራላዊ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነ ጽልዋ ዘለዎም ኢትዮጵያዉያን ነጋዶ ዘይዕጉብነቶም ከርእዩ ምጽንሖም ኣይርሳዕን።