ኣብ ቅንያት ወርሒ ሰነ ጥራይ ንስዉኣትን ስድራ ስዉኣትን ኽዝክር ዝጓየ ጉጅለ ህግደፍ፣ ነተን ግቡእ ሞሳአን ክሳብ ሕጂ ዘይከፈለን ስድራቤታት፡ ብሓላፍነት እኹል ጥወራ ይገብረለን ምህላዉ ኸርኢ ሰነ መጸ ዘካይዶ ናይ ተዃቢን ተተኳቢን ተዋስኦ ጀሚሩ።

ዓመት ምሉእ ተረሲዐን፣ ከርሲ ዘየዐንግላ ትኳቦ ገንዘብ እንዳተሸርፈለን ኣበይ ኣለኺን ዘይበሃላ ስድራቤታት ስዉኣት ኣብ ቅንያት ወርሒ ሰነ ነናብ ምምሕዳረን እንዳተጸዉዓ፡ ነተን ንሞሳ መስዋእትነት ዘይውክላ ውሑዳት ኣቕራሽ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ኮይነን ክቕበላን ብግዲ ከመስግናን እዩ ዝሓተን።

ስድራ ስዉኣትን ኣለይቲ ደቂ-ስዉኣትን ወርሓዊ ዝወሃበን ኣዝዩ ትሑት መጠን ገንዘብ ፡ ኣብ ገለ ኣዋን ተረሲዑ ንኣዋርሕ ከምዝስእነኦ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ቅንያት ወርሒ ሰነ ኣብ ዘርከበሉ ግን እንተዉሓደ ናይ ሓደ ወርሒ ኪቕበላ ናብ ምምሕዳራት ከባቢአን ክጽወዓ እዩ ዝርአ።

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ስድራስዉኣት ዘለዎ ንዕቀት ካብ’ቲ ነቶም ነዛ ሃገር ከምጽኡን ኪሕልዉን ዝወደቚ ሓርበኛታት ዘለዎ ትሑት ክብሪ ዝብገስ ኮይኑ፣ በንጻሩ እንተዝኸዉን ስድራቤትን ውሉድን እቶም ሰማኣታት ክሳዕ እዚ ሰዓት ኣብ ዝተሓተ ድኽነት ወዲቘም ዕለታዊ ኸስተማስሉ ኣይምረኣናን።

ስድራ ስዉኣት ኣብ ወርሒ ሰነ ጥራይ ክዝከሩን ክለዓሉን ዘይኮነ፣ ብሞሳ ናይቶም ብመስዋእቲ ዝሰኣንዎም ጀጋኑና ተደቢሶም ዕለታዊ ኣብ ዝሓሸ ናብራ ኪህልዉ እዩ ዝግባእ ነይሩ።