ናብ ሃገሩ ዝመጽኡ ስደተኛታት ንምግታእ ዝተረሩ ስጒምትታትን ፖሊሲታትን ኣብ ምቕናዕ ዝርከብ እዋናዊ መንግስቲ ጥልያን፣ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ምድሓን ህይወት ስደተኛታት ኪተሓጋገዛ ዝደፍራ መራኽብ ዘካይዶ ቀይዲ የኽርር ምህላዉ ተፈሊጡ።

እዚ ዝተፈልጠ ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ብ2 ሰነ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምድሓን ህይወት ስደተኛታት ናይ ዝነጥፍ ጀርመናዊ ብሕታዊ ኣካል ዋንነት ዝኾና ክልተ መራኽብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘኣተዉ ድሕሪ ምግላጹ እዩ። ሓለዋ ባሕሪ ጥልያን ኣብ ሓበሬታኡ ፣ እተን መራኽብ ነቲ ፓርላማ ጥልያን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ንስርሒታት ምድሓን ህይወት መራኽብ ግብረሰናይ ኣመልኪቱ ዘሕለፎ ተሪር ሕጊ ብምጥሓሰን ከምዝቐየደን እዩ ኣነጺሩ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ ፣ ስደተኛታት ዘድሓና መራኽብ ናብ ኣብ ቀረባአን ዘሎ ወደብ ወይ ማርሳ ናይ ጥልያን ንምእታዉ ሻቡ ፍቓድ ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ኪሓታ እምበር ፣ ዘድሓንኦም ስደተኛታት ብዝህብወን ሓበሬታ ተደሪኸን ተወሰኽቲ ስደተኛታት ንምድሓን ኣብ ባሕሪ ከይዛዉና ዝኽልክል እዩ።

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ብዘለዎ ሕሉፍ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝምራሕ ዘሎ እዋናዊ መንግስቲ ጥልያን፣ ነተን ኣብ ምድሓን ህይወት ዝወፍራ ብሕታዉያን መራኽብ ተስፋ ከቊርጽ ብምባል እዩ ነቲ ሕጊ ኣካዊኑ። ነቲ ሰልፊ መሪሓ መንግስቲ እተካይድ ዘላ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ መሎኒ ሓንቲ ካብቶም ንስደተኛታት ዘለዋ ጽለኣት ብግህዶ ዘንጸባርቚ መራሕቲ እያ።