ነቲ ኣብ ጅዳ ናይ ስዑዲ ዓረብ ኽካየድ ጸኒሑ ሕጂ ተኾሊፉ ዘሎ ዘተ ሰላም ዘለዎ ደገፍን ኣወንታዊ ምዃኑን ዳግማይ ኪቕጽል ዘለዎ ድሌት ልዑል ምዃኑን ኣዛዚ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ማለት ሓመቲ ሓቢሩ።

እቲ ኣዛዚ ነዚ ዝሓበረ ፡ ነቲ ናይ ጂዳ ዝርርብ ዘማእክሉ ዝነበሩ ወኪላት ኣመሪካን ስዑድያን ፣ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ናብ ዘተ ኪምለሱ ድሕሪ ምጽዋዖም እዮ።
“ እቲ ናይ ጂዳ ዝርርብ ሰላም ክቕጽል ድሌት ከምዘለዎን ፡ ድሕነት ሰላማዊ ህዝብን ምብጻሕ ሰብኣዊ ረዳኤትን ክወሓስ ድማ ምርጫና ምዃኑን ንልኡል ስዑዲ ዓረብ ከረጋግጸሉ ይደሊ ዝበለ ጀነራል ሓመቲ፣ ሓይልታት እቲ ዘተ ሰላም እንተቐጺሉ ንኽሳተፉ ድልዋት ምዃኑ ኣረዲኡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ሰፊሕ ከባቢ ማእከላይ ሱዳን ብሓፈሻ ከተማ ካርቱም ድማ ብፍላይ ሓያል ኲናት ይቕጽል ኣሎ ።

ዝሓለፈ 31 ግንቦት ፣ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ኣብ ከተማ ጂዳ ናይ ሱዕድያ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ጻዕሪታት ዘተ ሰላም ኢዱ ድሕሪ ምስሓቡ እቲ ዘተ ደዉ ኢሉ ምህላዉ ኣይርሳዕን ። ሰራዊት መንግስቲ ካብቲ ጽምዶ ዝሰሓበሉ ቀንዲ ምኽንያት ኪገልጽ እንከሎ ፣ ብወገን ዳዕመል ኣልሰሪዕ ኣብ ትግባሬ ናይቶም ክብጽሑ ዝጸንሑ ስምምዓት ቀጻሊ ሸልለትነት ሰሪቱ ኣሎ ዝብልዩ።

ሓይልታት ዳዕመል ሰሪሕ ብወገኖም ተመሳሳሊ ክሲ ብምስማዕ፣ ሰራዊት ሱዳን ብዘይቀይዲ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከቃንዕ ስለዝደለየ እዩ ምስምሳት ብምፍጣር ካብ ስምምዓት ምቊራጽ ተጻብኦ ዝሃድም ዘሎ ይብሉ።

ሰራዊት ሱዳን ካብ’ቲ ዝርርባት ሰላም ኢዱ ምስሓቡ ንዝኸይድ ዘሎ ጻዕሪ ተስፋ ከየቚርጽን ካልኦት ኣማራጺታት ሰላም ሃሰዉ ኣብ ምባል ምስልቻዋት ከይርአን እዉን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተማሕጺኑ ነይሩ’ዩ። ነቲ ኲናት ደዉ ንምባልን፡ ተራጸምቲ ወገናት ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ከቐድሙ ንምግዳድን ቀጻሊ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጻዕርታት ይወፍር እኳ እንተሎ ፣ ዛጊት ኣብ ባይታ ዘመስከሮ ኣርባሒ ዉጽኢት የለን።

ኣብ ክፍሊ ተረዠሪ ኣመሪካ ቤት-ጽሕፈት ምቊጽጻር ርእሰ-ማል ሰብ ስግር-ባሕሪ ፡ ምስ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ይቃረባን በብወገነን ዝደጋገፋን ኣለዋ ኣብ ልዕሊ ዝበለን 4 ኩባንያታት ሱዳን ተረርቲ እገዳታት ምሕላፉ ናይ ቀረባ ኣብነት እዩ። እተን ኣርባዕተ ኩባንያታት ነቲ ኣብ ሱዳን ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኪጋደድ ፊናንሳዊ ውሕስነት ይህባ ኣለዋ ብዝብል እዩ ምምሕዳር ዋሺንግተን እገዳ ኣሕሊፉ።

እቲ ተወሲዱ ዘሎ እገዳ ፣ ናብ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ይኹን ሰራዊት ሱዳን ዘምርሕ ፊናንሳዊ ደገፋት ኮሊፍካ እቶም ወገናት ንደሞዝ ሰራዊቶምን፡ ሸመተን ኣጽዋርን ካልኦት ቀረባትን ተጻጊሞም ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ኪቃረቡ ንምድፋኦም ዝዓለመ ምዃኑ እዮም ስብስልጣን ኣመሪካ ዝሕብሩ።