ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ኣመሪካዊ ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ማለት USAIDን ነቲ ኣብ ትግራይ ተራእዩ ዝተባህለ ምጥፍፋእ ረድኤት ግቡእ መርመራ ኪሳዕ ዚቃንዓሉ ናብ ትግራይ ዘምርሕዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ደዉ ከብሉ መሪጾምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን ፣ ሓላፊን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያን ምክትሉን ናይ ስንብታ ወረቐት ኣእትዮም ብዝብል ክናፈስ ዝጸንሐ ዜና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ እቲ ትካል ገሊጹ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብጉዳይ ስርቂ ረዲኤት ከካይዶ ዝጸንሐ መርመራ ንህዝቢ ከፍልጥ ተቓሪቡ ምህላዉ ኣብ ዝሕብረሉ ዘሎ እዋን እዩ ብዛዕባ እቲ ናይ ስንብታ ዉሳኔ ተዋቓዕቲ ዜናታት ክናፈስ ተራእዩ ። በቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንክልተ ዓመት ብዝቐጸል ኲናት ሕድሕድ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝተኸስተ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ንምዝላቕ ገዚፍ ሰብኣዊ ኣገዝ ኪመቓራሕ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ መግለጺኡ እቶም ናይ ስንብታ ደብዳቤ ኣእትዮም ዝተባህሉ ሓለፍቲ ጨንፈር ገና ኣብ ስራሖም ከምዘለዉ እዩ ኣረዲኡ ዘሎ።
ናብ ክልል ትግራይ ከምርሕ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ብሰብስልጣንን መቕርቦምን ተላዒሉ ኣብ ዕዳጋታት እታ ክልል ብግህዶ ኪሽየጥ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብታ ክልል ዘሰላስሎ ዝነበረ ምብጻሕ ረድኢት ንግዜኡ ደዉ ክብል ምዉሳኑ ይዝከር።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቲ ኣካላትን ንዝመጽእ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምምቕራሕ ሓላፍነት ሒዙ ዘሎ ኮይኑ ፣ ኣብ’ቲ 5 ሚልዮን ህዝባ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኢት ኮይኑ ዝርከብ ክልል ትግራይ ሳዕሪሩ ዝበሃል ዘሎ ስርቂ ረዲኤት ተመርሚሩ ፍታሕ ክሳዕ ዝርከብ ናብ ትግራይ ዘምርሖ ረድኤት ከወንዝፎ ተገዲዱ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ ኣብታ ክልል ሳዕሪሩ ዝበሃለሉ ዘሎ ስርቂን ምጥፍፋእን ሰብኣዊ ረዲኤት እትምርምር ጉጅለ ከምዘጣየሰ ኣብ ምጅማር ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ሓቢሩ እዩ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር እታ ክልል ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ኣብቲ ግዜ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፣ ብስርቂ ረድኤት ህዝቢ ዝሕተቱ ወገናት ንምልላይን ንምቕያድን ወፍሪ ተጀሚሩ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
ነዚ ዕማም ንምክያድ ኣርባዕተ ዝኣካየድታ ላዕለወቲ ጉጅለ ተመስሪታ ስርሓ ጀሚራ ከምዘላ ዝሓበረ ኣቶ ጌታቸዉ፣ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ፍታሕ ክርከቦ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ እዩ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣኹል ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ኪዉሕዝ እኳ እንተጸንሐ ፣ ህዝቢ እኹል ረድኤት ይረክብ ከምዘየሎ እዩ ዘማርር።
ሓለፍቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ ካብ ስራሖም ብወለንታኦም ከምዘርሓቚ ኪሕብሩ ምህዋኾም፣ ኣብ ዉሽጣዊ ኣሰራርሓታት እቲ ጨንፈር ነቲ ኣብ ትግራይ ገኒኑ ዝተባህለ ስርቂ ረድኢት ጠንቂ ኺኸዉን ዝኸኣለ ብልሽዉና ጸኒሑ ከይከዉን ብዙሓት ይግምቱ ኣለዉ።