ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ናይ ሓሶት መብጸዓታት ተጸንቂቘምዎ ከምዘለዉ ካብ’ቶም ብዘይወግዓዉያን መሓዉራት ጎስጓሱ ዝወጽኡ ዘለዉ ናብ ቀልዲ ዝቃረቡ ሓሶታት ንምግማቱ ዘየጸግም ኮይኑ።

ኣብ ባይታ ዘየለ ምቅይያራት እንዳሰናዕካ፡ ህዝቢ ካብ ዝጽበዮ መሰረታዊን ተጨባጢን ምሕዩሽ ናብራ ኣርሒቕካ ንምዕሻዉ ዝግበሩ ፈተነታት ርቀቶምን ናይ ምስዳዕ ላዛኦምን ይጽንቅቚ ኣለዉ።
ህግደፍ ዛጊት ብዝኣተዎም መብጸዓታት፡ ኤርትራን ህዝባን ከም ኣብነት ልምዓትን መስተርሆትን እዛ ኣህጉር ኮይኖም ኣብ ቀጻሊ ተዋዳዳርነት ይግስግሱ ምሃለዉ። እንተኾነ ፣ ኣብ ባይታ ዝቕጽል ዘሎ ሓቂ ግዳ ልዕሊ እቶም ብህግደፍ ዝደጋገሙ ታህዲዳት ይነግር ኣሎ።

ብፍላይ እቶም ህዝቢ ዛጊት ክረኽቦም ንዘይከኣሉ ኣዚዮም መሰረታዉያን ጠለባት ህይወት ተናጢሮም ፣ ብዛዕባ ኣዝዮም ገዘፍቲ መደባት ልምዓት ዝጋዉሑ ህልወሳታት ህግደፍን መሓዉራትን ፡ እቲ ስርዓት ክሳዕ ክንደይ ጠፊሹ ከምዘሎ ዘንጸባርቚ ይኾይኑ ኣለዉ።

ብምልኪ ኪገዝእ ዝነቐለ ስርዓት ወይ ጸቢብ ሓይሊ፣ ንህዝቢ ብቕንዕና ኣእሚንካ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ዘኽእሎ ምሕደራዊ ብቕዓት ይዂን ፖለቲካዊ ተጻዋርነት ስለዘይብሉ ፣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዘሳግርዎ ናይ ሓሶት መብጸዓታትን ኣብ ባይታ ዘየለዉ ስግኣታትን እንዳፈብረኸ ፣ “ንሎምዘመን እምበር ንዓመታ’ስ ሸዊት ለምለም ዝብል ኣዐሻዊን ዘይቅየርን ትጽቢት እንዳኾስከሰ፣ ነቲ ንነገራት ብተግባር ምቕያር ዝባህሉ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ተስፋን ትምኒትን ጥራይ ዝስንቊ ተገዛኢ ሕብረተሰብ ንምድቓቚ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ይድከም ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ቀዲሞም ዝነበሩን ዘለዉን ናይ ምልኪ ስርዓታት ፣ ብኣፎም ጥራይ ዝወጽእ እምበር ብኢዶም ዘይትግበር መብጽዓታት ልምዓትን ቊጠባዊ ዕብየትን እንዳደጋገሙ ህዝቦም ኣብ ክዉንነት ዘይኮነ ኣብ ዘይጭበጥ መጻኢ ተስፋኡ ኣንቢሩ ክበልየሎምን ከገልግሎምን እዩ ድሌቶም።

ከም ጉጅለ ህግደፍን መራሒኡን ጌሮም ቃል ዝኣተዉ ኣባላት ምልኪ እኳ እንተዘየለዉ፣ መላኺ ግን ልክዕ ከም’ቲ ካብ ስራሑ ከይስጐግ ሓስዩን ኣመኽኒዩን ኪጸንሕ ዝህቅን ሞያ-ኣልቦ ብምዃኑ ፡ ኣብ ባይታ ዚመጽእ ለዉጢ ፍጹም ኣይክህሉን’ዩ።